12 እዚኣቶም ግና፥ ከም ንመፃወድን ንጥፍኣትን ዝተፈጥሩ፥ ኣእምሮ ዘይብሎም እንስሳ እዮም ዝመስሉ። ነቲ ዘይፈልጥዎ እናፀረፉ፥ ምስኣቶም ክጠፍኡ እዮም።
ለባማት ከም ዝሞቱ፥ ከምኡውን ሰነፋትን ደናቝርን ብሓባር ከም ዝጠፍኡ፥ ገንዘባቶምውን ንኻልኦት ከም ዝሓድጉ ሪኡ እዩ።
ሰነፍ ሰብ ኣይፈልጦን፤ ልቢ ዘይብሉውን ነዙይ ኣየስተውዕሎን እዩ።
ኣቱም ደናቝር ህዝቢ ኣስተውዕሉ፤ ሰነፋትከ መኣዝ ይልብሙ?
ሓጥእ ብኽፍኣቱ ይግምጠል፤ ፃድቕ ግና እንተ ሞተ እኳ መዕቘቢ ኣለዎ።
እቶም ጓሶት ሰኒፎም፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይጠየቑን፤ ስለዙይ እውን ኣይሰለጦምን፤ እቲ መጓሰ ኸዓ ፋሕ ኢሉ ኣሎ።
ኵላቶም ድንዙዛትን ዓያሹን እዮም፤ ከንቱ ናይ ጣዖታት ትምህርቲ፥ ዕንፀይቲ እዩ።
ኦ እግዚኣብሄር ንኣይ ግና፥ ትፈልጠኒ፥ ትሪአኒ፥ ብዛዕባኻ ዘለኒ ሓሳብውን ንስኻ ትምርምር ኢኻ። ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕ ኰብኵቦም፥ ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፈሊኻ ኣዳልዎም።
“ህዝበይ ዓያሹ እዮም እሞ ንኣይ ኣይፈልጡንን፤ ድንዙዛት ደቂ እዮም፤ ምስትውዓልውን የብሎምን። ክፉእ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፤ ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”
ኣነ ኸዓ “እዚኣቶም መንገዲ እግዚኣብሄርን ሕግጋት እግዚኣብሄርን ስለ ዘይፈለጡ፥ ብርግፅ ድኻታትን ሰነፋትን እዮም።
ንቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎ፥ ሓዊ ቝጥዓይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፥ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፥ ምጥፋእ ዝተግባሮም ሰባት ክውፍየካ እየ።
ዝሙት፥ ከትሪ፥ ስስዐ፥ ተንኰል፥ ስድነት፥ ቅንኢ፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ስንፍና ይወፅእ።
ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ እኸይድ ኣለኹ፤ ክትደልዩኒ ኢኹም፤ እንተ ኾነ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።
እቲ ንስጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ፥ ካብ ስጋኡ ሞት ይዓፅድ። እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ፥ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይዓፅድ።
እዝ ሕጊ እዙይ፥ ብምሉኡ ሰብ ዝሓገጎን ዝመሃሮን ስለ ዝኾነ፥ ምስ ፈፀምካዮ ሓላፊ እዩ።
በዙይውን፥ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና፤ በዛ ተስፋ እዚኣ፥ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም፥ ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም።
ዝተስዓረ ሰብ፥ ባርያ ናይቲ ዝሰዓሮ እዩ ዝኸውን እሞ፥ ንሳቶም ንባዕላቶም፥ ናይ ክፉእ ኣመል ባሮት እንተለዉ “ሓራ ኽትወፁ ኢኹም” እናበሉ፥ የተስፍውዎም ኣለዉ።
እዚኣቶም ግና፥ ነቲ ዅሉ ዘይፈልጥዎ ይፀርፉ፤ እቲ ኸም እንስሳ፥ ብባህሪኦም ዝፈልጥዎ እኳ፥ ንባዕላቶም የጥፍኦም ኣሎ።