11 መላእኽቲ፥ ብሓይልን ብስልጣንን ካብኣቶም ዝበልፁ እንተ ኾኑ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ፀርፊ ዘለዎ ኽሲ ኣየቕርቡን እዮም።
ኣቱም ትእዛዙ እትፍፅሙ ብርቱዓትን ሓያላትን፥ ናይ ቃሉ ድምፂ እትሰምዑ ኵልኻትኩም መላእኽቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
ንመላእኽቱ መንፈስ፥ ንኣገልገልቱ ሃልሃልታ ሓዊ ዝገብር፥
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፁህ ስለ ዝኾንኩ፥ ንኣኻ ድማ ስለ ዘይበደልኩ፥ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፥ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ፤ ንሳቶምውን ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ።
ዝሙት፥ ከትሪ፥ ስስዐ፥ ተንኰል፥ ስድነት፥ ቅንኢ፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ስንፍና ይወፅእ።
ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስቶም ሓያላት መላእኽቱ፥ ብነበልባል ሓዊ ኻብ ሰማይ እንትመፅእ፥ መከራ ንትቕበሉ ንኣኻትኩም ግና፥ ምሳና ዕረፍቲ ኽህበኩም እዩ።
ሊቀ መላእክት ሚካኤል እኳ፥ ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ክከራኸር እንተሎ፥ “እግዚኣብሄር ይገስፅካ” ደኣ በሎ እምበር፥ ብፀርፊ ክዅንኖ ኣይደፈረን።