10 ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።
ብቝጥዓኦም ሰብ ቀተሉ፤ ብዅራኦምውን ቋንጃ ኣብዑር ቈረፁ፤ ኣብ ምኽሮም ኣይሕወሰኒ፤ ኣብ ኣኼባኦም ከዓ ኣይፀምረኒ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኣብኡ ኸዓ ሓደ ዓመፀኛ ሰብ፥ ሳቤዔ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ፥ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸዓ “ንሕና ኣብ ዳዊት ብፅሒት የብልናን፤ ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናን። ኦ እስራኤል! ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ገዛኹም ተመለሱ” ኢሉ መለኸት ነፍሐ።
ሽዑ ዅሎም እስራኤል፥ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ፈለጡ፦ እቲ ህዝቢ ነቲ ንጉስ “ምስ ዳዊት እንታይ ኣለና? ኣብ ወዲ እሴይከ እንታይ ርስቲ ኣለና? ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ነናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ። ኣታ ዳዊት ሕዝስ ገዛኻ ሓሉ” ኢሎም እናጨደሩ መለሱሉ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳናቶም ተመለሱ።
“ንእግዚኣብሄር ኣይትፅረፍ፤ ንሓለቓ ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም።
ንንጉስ ብሓሳብ እኳ ኣይትሕመዮ፤ ንሃብታምውን ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ ኣይትፅረፎ። ዒፍ ሰማይ ነቲ ቓልካ ኽተብፅሖ እያ፤ በራሪ ዒፍውን ነገርካ ኽተውርየልካ እያ።
ኣታ ትውልዲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ንእስራኤልዶ ኸም ፀምፀም በረኻን ድቕድቕ ፀልማት ከም ዝኾነ ምድርን ኮይነዮም እየ? ስለ ምንታይ ደኣ ህዝበይ ‘ድልየትና ኽንገብር ኢና፤ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝብል?
ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ብትዕቢት ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ይወገድ።
ምስ መፀ ድማ፥ ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይፀንሖ።
ደቂ ዓዱ ግና ፀልእዎ እሞ ‘እዙይ ኣብ ልዕሌና ኽነግስ ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም፥ ደድሕሪኡ ልኡኻት ሰደዱ።
ጳውሎስ ድማ “ኣሕዋተይ፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ብዘይምፍላጠይ እየ፤ ‘ንሹም ህዝብኻ ኣይትፅረፍ’ ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ” በሎም።
እምበኣር ሕዚ፥ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ፥ ኵነኔ የብሎምን።
ዓመፅቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትጋገዩ፤ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣዖት፥ ዘመውቲ ወይ ግብሪ ሰዶም ዝገብሩ፥
ምንም እኳ ብልማድ ሰብ እንመላለስ እንተ ኾንና፥ ከም ልማድ ሰብ ኣይንዋጋእን።
ንሳቶም ደንዚዞም እዮም፤ ርኽሰት ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸዓ፥ ንባዕላቶም ንስጋዊ ድልየቶም፥ ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም።
ዘማዊ፥ ርኹስ፥ ወይ ጣዖት ከም ምምላኽ ዝቝፀር ስስዐ ዘለዎ ሰብ፥ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን እግዚኣብሄርን፥ ርስቲ ኸም ዘይብሉ ፍለጡ።
ስለዙይ ኣባኻትኩም ንዘሎ ምድራዊ ድልየትኩም ቅተሉ፤ እዙይ ከዓ፦ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ፍትወት ስጋ፥ ክፉእ ትምኒት፥ እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ እዩ።
እግዚኣብሄር ንቕድስና እምበር፥ ንርኽሰት ኣይፀውዐናን።
ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ክኾኑ እዮም፤ ፈተውቲ ገንዘብ፥ ትምክሕተኛታት፥ ትዕቢተኛታት፥ ተፃረፍቲ፥ ንወለዶም ዘይእዘዙ፥ ዘየመስግኑ፥ ቅድስና ዘይብሎም፥ ርህራሀ ዘይብሎም፥
ኤጲስ ቆጶስ፥ ከም መጋቢ እግዚኣብሄር፥ ነቐፋ ዘይብሉ ክኸውን ይግባእ እዩሞ፤ ከምኡውን፥ ዘይዕበ፥ ዘይዅሪ፥ ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ፍቕሪ ገንዘብ ዘይብሉ፥ ክኸውን ኣለዎ።
መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር ይኹን፤ እቲ ዓራት ኣሚን ከዓ ኣይርከስ። ንኣመንዝራታትን ንዘመውትን ግና፥ እግዚኣብሄር ክፈርዶም እዩ እሞ።
ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ብኽፉእ ፍትወት ስጋኦም ዝመላለሱ፥ መላገፅቲ ኸም ዝመፁ፥ ቅድሚ ዅሉ እዙይ ፍለጡ።
እዚኣቶም ግና፥ ነቲ ዅሉ ዘይፈልጥዎ ይፀርፉ፤ እቲ ኸም እንስሳ፥ ብባህሪኦም ዝፈልጥዎ እኳ፥ ንባዕላቶም የጥፍኦም ኣሎ።
እዚኣቶም መዕረምረምቲ፥ ዘይሕጉሳት፥ ከም ክፉእ ትምኒቶም ዝነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፤ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከዓ፥ ገፅ ሰብ ሪኦም ይጥብሩ።
ንሳቶም፥ “ኣብቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ ብኽፉእ ትምኒቶም ዝምርሑ፥ መላገፅቲ ኽትስኡ እዮም።” እናበሉ ነጊሮሙኹም ነበሩ።
ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ ቐደም ዝተፅሓፈሎም፥ ሓድሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት፥ ኣብ ማእኸልኩም ሸሊኾም ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበና፥ ናይ ፀጋ መልእኽቲ፥ ርኽሰት ክገብሩ ንዝልውጥዎን፥ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉስናን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዝኽሕድዎን እዮም።
ሓድሓደ ኽፉኣት ሰባት ግና “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸድሕነና እዩ?” ኢሎም ስለ ዝነዓቕዎ፥ ገፀ በረኸት ኣይሃብዎን። ንሱ ግና ኸም ዘይሰምዐ ኾነ።