8 እዞም ነገራት እዚኣቶም እንተ ሃልዮምኹም፥ እናዓበዩውን እንተ ኸይዶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከፍልጡኹም እዮም። ሃካያትን ዘየፍርዩውን ኣይትኾኑን ኢኹም።
ስራሕ ምፍታሕ ድቃስ የምፅእ፤ ነፍሲ ሃካይ ከዓ ትጠሚ።
እቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ኸዓ፥ ነቲ ቓል ዝሰምዖ እዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ሓሳብን ምትላል ሃብትን ድማ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ እንተይፈረየውን ይተርፍ።
ብሰለስተ ሰዓት ምስ ወፀ ድማ፥ ስራሕ ዘይብሎም ካልኦት ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረአየ፤
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ሰዓትውን ወፂኡ፥ ካልኦት ደው ዝብሉ ረኸበ፤ ‘ንምንታይ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ስራሕ ኣብዙይ ደው እትብሉ?’ በሎም።
እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፦ ‘ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ! ዘይዘራእኽዎ ኸም ዝዓፅድ፥ ዘይበተንክዎ ኸም ዝእክብ ትፈልጥ እንተ ደኣ ኔርኻ፥
ነቲ ዅሉ ኣባይ ዘሎ፥ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ።
ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ።
ንስኻትኩም ግና ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ከም ዘየለ እፈልጥ እየ።
ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ፤ ብመንፈስ ዝተቓፀልኩም ኩኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ፤
ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።
ብእምነት እንተሊኹም፥ ርእስኹም ፈትኑ፤ ርእስኹም መርምሩ፤ ወይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ፥ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም? እዙይ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ዘይብቑዓት ኢኹም።
ብብዙሕ መከራ ተፈቲኖም እዮም፤ እንተ ኾነ ሕጉሳት ስለ ዝኾኑ፥ የመና ድኻታት እኳ እንተ ኾኑ፥ የመና ድማ ለጋሳት እዮም።
ከምቲ ብዅሉ ነገር፦ ብእምነት፥ ብቓል፥ ብፍልጠት፥ ብዅሉ ትግሃት፥ በታ ኣባና ዘላትኩም ፍቕሪ ብሉፃት ዝኾንኩም፥ በዝ ናይ ልግሲ ሰናይ ስራሕውን፥ ብሉፃት ኩኑ።
ንሳቶም ንኣኻትኩም ይፅልዩልኩም እዮም። ስለ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ መጠን ዘይብሉ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ክሪኡኹም ይናፍቑ እዮም።
ፍቕርኹም፥ ብዅሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን፥ ብዝበለፀ እናበዝሐ ምእንቲ ክኸይድ እፅሊ ኣለኹ።
ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።
እወ፥ ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ።
ብዅሉ ሰናይ ተግባር ፍረ እናፈረኹም፥ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ እናዓበኹም፥ ንእኡ ብዝበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፥ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ንፅሊ ኣለና።
ኣብኡ ተመስሪትኩምን ተሃኒፅኩምን፥ ከምቲ ዝተምሃርኩምዎ ብእምነት ፅንዑ፤ ምስጋናውን ይብዝሐልኩም።
ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ።
ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም፥ ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኵሉ ሰብን፥ ፍቕሪ የብዝሐልኩምን ይወስኸልኩምን።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።
ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።
ኣብ ልዕሊ እዙይውን፥ ገዛ ንገዛ እናዞራ፥ ምብኳር ስራሕ እየን ዝመሃራ፤ ምብኳር ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ክዛረባኦ ዘይግባእ እናተዛረባ፥ ሓመይትን መውረይትን፥ ኣብ ዘየእትወን ዝኣትዋን እየን ዝኾና።
እቶም ናትናውን፥ ዕለታዊ ምግቦም ባዕልቶም ክሓልዩ፥ ሰናይ ስራሕ ክሰርሑ ደኣ ይመሃሩ እምበር፥ ብዘይ ፍረ ኣይንበሩ።
ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሰናይ ነገር ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትርዳእ፥ ነቲ ዘለካ እምነት ብትብዓት ክተካፍሎ እፅሊ ኣለኹ።
ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን፥ ነታ ተስፋ ዝወረሱ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፥ ሃካያት ክትኮኑ ኣይንደልን ኢና።
በቲ ንእግዚኣብሄርን፥ ንጐይታና ኢየሱስን ብዘለኩም ፍልጠት፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።
ነቲ ብኽብሩን ሕያዋይነቱን ዝፀውዐና፥ ንእኡ ብምፍላጥና መለኮታዊ ሓይሉ፥ ንህይወትን ንመንፈሳዊነትን፥ ኵሉ ዘድልየና ሂቡና ኣሎ።
በታ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ፥ ካብ ርኽሰት ዓለም ዘምለጡ ሰባት፥ ተመሊሶም ብኣኣ ተጠሊፎም እንተ ደኣ ተስዒሮም፥ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም እዩ ዝገድድ።
ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።