7 ኣብ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሕውነት፥ ኣብ ሕውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ።
ኣብ ንስንሳትኩም፥ ልባዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ።
እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር።
ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ መእሰሪ ፍፁምነት እያ እሞ፥ ንፍቕሪ ልበስዋ።
ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም፥ ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኵሉ ሰብን፥ ፍቕሪ የብዝሐልኩምን ይወስኸልኩምን።
ሓደኳ ነቲ ኽፉእ ዝገበሮ፥ ብኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ፤ ግና ዅልሻዕ፥ ንስንሳትኩም ኮነ፥ ምስ ኵሉ ሰብ፥ ሰናይ ንምግባር ፀዓሩ።
ሕውነታዊ ፍቕሪ ይሃሉ።
ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፤ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንእግዚኣብሄር ፍርሑ፤ ንንጉስውን ኣኽብሩ።
እምበኣር ተሳኒኹም ንበሩ፤ ተራሃራህቲ፥ ፍቕሪ ኣሕዋት ዘለኩም፥ ለዋሃትን ትሑታትን ኩኑ።
ንሕና ነሕዋትና ነፍቅሮም ስለ ዝኾንና፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዝተሳገርና ንፈልጥ ኢና። እቲ ሓዉ ዘየፍቅር ግና፥ ኣብ ፅላል ሞት እዩ ዝነብር።
ክርስቶስ ንህይወቱ ቤዛና ስለ ዘሕለፈ፥ ንፍቕሪ በዙይ ኢና እንፈልጣ። ንሕናውን ምእንቲ ኣሕዋትና፥ ህይወትና ቤዛ ኽነሕልፍ ይግብአና እዩ።
እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ፥ “እቲ ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር፥ ንሓዉ ድማ የፍቅር” ዝብል እዩ።