14 ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለፀለይ፥ ነዝ ሰብነት እዙይ፥ ገዲፈ ዝኸደሉ እዋን፥ ቀሪቡ ኸም ዘሎ ፈሊጠ ኣለኹ።
መሕደሪየይ ተነቐለት፤ ከም ድንኳን ጓሳ ኸዓ ኻባይ ተወሰደት፤ ህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕለልኩ፤ ንሱውን ካብ መጠቕለሊ ኽቘርፀኒ እዩ፤ ካብ ንግሆ ክሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ።
ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ፥ “ጐይታ፥ ናበይ ክትከይድ ኢኻ?” በሎ፤ ኢየሱስ ድማ “ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻ ሕዚ ኽትክተለኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትክተለኒ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
“ሕዚ ድማ፥ እንሆ ንስኻትኩም መንግስቲ እግዚኣብሄር እናዞርኩ ዝሰበኽኩልኩም ኵልኻትኩም፥ ደጊም ገፀይ ከም ዘይትሪኡ ፈሊጠ ኣለኹ።
እዛ ድንኳን ዝኾነት፥ ምድራዊት መንበሪትና እንተ ፈረሰት እኳ፥ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነት ናይ ዘለኣለም ቤት፥ ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “እትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያሞ፥ ንኢያሱ ናባኻ ፀውዓዮ፤ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸዓ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቁሙ” በሎ። ሙሴን ኢያሱን ድማ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቆሙ።
ኣነስ ድሮ ሰማዕት ክኸውን ቐሪበ ኣለኹ፤ መዓልቲ ሕልፈተይ በፂሓ እያ።
“እንሆ ኸዓ፥ ኣነ ሎሚ መንገዲ ኵላ ምድሪ ኣኸይድ ኣለኹ እሞ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኻትኩም ዝተዛረቦ ዅሉ ሰናይ ነገር፥ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘየጕደለ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ ተፈፀመ እምበር፥ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ እንተይተፈፀመ ዝተረፈ የለን።
ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፥ እናዘኻኸርኩ ኸነቓቕሐኩም፥ ቅኑዕ ኾይኑ ይረአየኒ ኣሎ።