8 ንስኻትኩም ግና፥ ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፥ ነቲ ዝፀዓርኩምሉ ኸይተጥፍእዎ ተጠንቀቑ።
እቶም ጠቢባን፥ ከም ናይ ሰማይ ፀዳል ክበርሁ እዮም፤ እቶም ንብዙሓት ናብ ፅድቂ ዝመርሑውን፥ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ክበርሁ እዮም።
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝኾነ ሰብ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ!
ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ! እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነጊረኩም ኣለኹ።”
“ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ንፍርዲ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶምውን ክገርፉኹም፥ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከዓ፥ ደው ከብሉኹም እዮም እሞ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
ነዙይ ድማ ‘ንኣኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማታት ሸይመካ ኣለኹ’ በሎ።
ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ! ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ፤ እቲ ዘመን ከዓ ቐሪቡ እዩ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም እሞ ኣይትከተልዎም።
እቲ ዝዘርእን እቲ ዝዓፅድን፥ ብሓባር ምእንቲ ኽሕጐሱ፥ እቲ ዝዓፅድ ዓስቡ ይቕበል፤ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ፍረውን ይእክብ።
ድሕሪ ዅላቶም ድማ፥ ብዘይ መዓልቱ ዝተወለደ ንዝመስል ንኣይ ተርኣየኒ።
እቲ ኣብ መሰረት ሃኒፁ፥ ስራሑ ዝፀንዐሉ ሰብ፥ ዓስቡ ኽቕበል እዩ።
እቲ ዝተክልን እቲ ዘስትን፥ ማዕረ እዮም፤ ኵሎም ከከም ፃዕሮም፥ ዋጋኦም ክረኽቡ እዮም።
ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ተቐቢልኩምስ፥ ንኸንቱዶ ጌርኩምዎ?
ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሕ ኣለኹ።
ሕዚ ግና በቲ በፂሕናዮ ዘለና፥ ብእኡ ፀኒዕና ንንበር።
ብርሃን ምስ በርሀልኩም ተዓጊስኩም መከራ ንዝተቐበልኩምለን፥ ነተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዘክርወን።
እምበኣር ነቲ ብዙሕ ዓስቢ እትረኽቡሉ እምነትኩም ኣይትሕደጉ።
ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።
ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፥ ነቲ ዘለካ ኣፅኒዕኻ ሓዝ።