6 ፍቕሪ ማለት፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር እናፈፀምካ፥ ምንባር ማለት እዩ። ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ እቲ ትእዛዝ፥ “ብፍቕሪ ንበሩ” ዝብል እዩ።
“ትፈትዉኒ እንተ ዄንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ።
እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ፥ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፤ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ፥ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ፤ ኣነውን ከፍቅሮ እየ፤ ርእሰይ ከዓ ኽገልፀሉ እየ።”
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዘፍቅረኒ፥ ቃለይ ክሕሉ እዩ፤ ኣቦይ ከዓ ኸፍቅሮ እዩ፤ መፂእና ድማ ኣብኡ ኽንሓድር ኢና።
ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።
ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰዓቡ፤ ንእኡ ፍርሑ፤ ትእዛዛቱ ሓልዉ፤ ቃሉ ስምዑ፤ ንእኡ ኣገልግሉ፤ ናብኡውን ቅረቡ።
እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ኾይኑ፥ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን፥ ክትነብሩ ኢኹም።
እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም፥ ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር፥ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኮነን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ። እቲ ናይ ቀደም ትእዛዝ ከዓ፥ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ቓል እዩ።
ኵሉ ዝለመንናዮ ኸም ዝሰምዐና ኻብ ፈለጥና፥ ዝለመንናዮ ልመና፥ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ ንፈልጥ ኢና።
ንእግዚኣብሄር ምፍቃር ማለት፥ ትእዛዛቱ ምሕላው ማለት እዩ፤ ትእዛዛቱውን ከበድቲ ኣይኮናን።
ሕዚ እውን እመቤት፥ ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኮነስ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ትእዛዝ እየ፥ ዝፅሕፈልኪ ዘለኹ፤ ንሱውን፥ “ንስንሳትና ኽንፋቐር” እልምነኪ ኣለኹ።