4 ካብ ደቅኺ፥ ከምቲ ኻብ እግዚኣብሄር ኣብ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ገይሮም፥ ብሓቂ ዝነብሩ ስለ ዝረኸብኩ ብዙሕ ተሓጕሰ ኣለኹ።
ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕል ጠቢብ፥ ዝፈልጦ መስተውዓሊኸ መን እዩ? መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ፃድቃን ብእኡ ይመላለሱ፤ ዓመፅቲ ግና ይሰናኸሉ።
ሓቀኛ ሕጊ ኣብ ኣፉ ነበረ፤ ዝኾነ በደልውን ኣብ ከንፈሩ ኣይተረኽበን፤ ምሳይ ብሰላምን ብቕንዕናን ይኸይድ ነበረ፤ ንብዙሓትውን ካብ ሓጢኣት መለሰ።
ፍቕሪ ብሓቂ ይሕጐስ እምበር፥ ብዓመፅ ባህ ኣይብሎን።
ከምቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ብቕኑዕ መንገዲ ኸም ዘይተመላለሱ ምስ ረአኹ ግና፥ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፦ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻ፥ ከም ኣይሁድ ዘይኮነስ፥ ከም ኣህዛብ ካብ እትነብር፥ ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ነቶም ኣህዛብ ከም ኣይሁድ ክነብሩ፥ ግዲ ትብሎም ኣለኻ?” በልክዎ።
ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።
ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ።
ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ መሊስኩም ክትሓስቡለይ ስለዝተለዓዓልኩም፥ ብጐይታ ኣብዚሐ እሕጐስ ኣለኹ። ምችዊ እዋን ኣይረኸብኩምን እምበር፥ ቅድምውን ተሓስቡለይ ኔርኩም ኢኹም።
እቲ “ኣብኡ እነብር እየ” ዝብል፥ ከምቲ ንሱ ዝተመላለሰ፥ ባዕሉውን ከምኡ ኽመላለስ ይግብኦ እዩ።