3 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን፥ ብሓቅን ብፍቕርን፥ ምሳና ክኸውን እዩ።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።”
ኣብ ሮሜ ዘለኹም ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተፀዋዕኹም፥ ፍቑራት እግዚኣብሄር ኵልኻትኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።
ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፥ ፀጋ ጐይታና፥ ኣባይ ብዘይ መጠን በዝሐ።
ናብቲ ብእምነት፥ ናይ ሓቂ ወደይ ዝኾነ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።
ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ፥ ከም ኣብነት ጌርካ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ።
ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።
ካብ ሽማግሌ፥ ናብታ ሕርይቲ እመቤትን፥ ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፥ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኵላቶም እቶም ነታ ሓቂ ዝፈልጡዋ ዘፍቅርዎም፤