10 ነዝ ትምህርቲ እዙይ እንተይሓዘ ናባኻትኩም ንዝመፅእ፥ ኣብ ገዛኻትኩም ኣይትቀበልዎ፤ ሰላምውን ኣይትበልዎ።
ቀፂሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ሎሚ ኣስምረለይ እሞ ንጐይታይ ኣብርሃም ምሕረትካ ግበር።
ንሱ ግና “ ‘ኣብኣ እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይ ኣይትስተ፤ በታ ናብኣ ዝኸድካላ መንገዲውን ኣይትመለስ’ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ እሞ ምሳኻ ተመሊሰ ኣይከይድን እየ፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጀራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን እየ” በሎ።
ሓለፍቲ መንገዲ ድማ፥ “በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፤ ብስም እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣለና” ኣይብሉን።
ከምዙይ እትብል መልእኽቲ ፅሒፎም ድማ፥ ብኢድ እዚኣቶም ሰደዱ፦ “ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትኩምን፥ ነቶም ኣብ ኣንፆኪያን፥ ኣብ ሶርያን፥ ኣብ ቂልቂያን፥ ካብ ወገን ኣህዛብ ንዘለኹም ኣሕዋት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።
ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ዝተረገመ ይኹን። ማራናታ!
ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ኣመንቲ ኢና ኻብ ዝብሉ ግና፥ ዘመውቲ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ሰኸርቲ፥ ወይ ከተርቲ ምስ ዝኾኑ ሰባት ከይትሕወሱ፥ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባትውን፥ ከቶ ኸይትበልዑ ኢለ እየ እምበር፤
ነቲ በዛ መልእኽቲ እዚኣ እንብሎ ቓል፥ ዘይእዘዝ እንተ ሃልዩ ኣለልይዎ፤ ምእንቲ ኽሓፍር ከዓ፥ ምስኡ ኣይትሕበሩ።
ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣሕዋትና፥ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዘይነብር፥ ብዘይ ስርዓት ካብ ዝመላለስ ሓው ክትፍለዩ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዘኩም ኣለና።
ነቲ ምፍልላይ ዝፈጥር ሰብ፥ ሓደ ወይ ክልተ ጊዜ ምስ መኸርካዮ፥ እንተ ኣበየ ኻብኡ ረሓቕ።
እቲ ሰላም ዝብሎ፥ ብኽፉእ ግብሩ ይተሓባበሮ እዩ እሞ።
ስለዙይ ኣነ ምስ መፃእኹ፥ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሌና ዝዛረቦ ኽፉእ ነገራት፥ ክገልፆ እየ። እዙይ ምእኻል ኣብይዎ ኸዓ፥ ንሱ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፤ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩውን፥ ይኽልክሎም፤ ካብ ቤተ ክርስቲያን ድማ፥ የውፅኦም ኣሎ።