3 እቲ እንሰብኮ ወንጌል ክዱን እንተ ኾነ፥ ክዱን ዝኸውን፥ ነቶም ዝጠፍኡ ጥራሕ እዩ።
በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዝ ነገራት እዙይ ካብ ብልህታትን መስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንህፃናት ስለ ዝገለፅካዮ አመስግነካ ኣለኹ።
ስለዙይ፥ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ፥ በታ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
ናይ መስቀሉ ቓል፥ ንዝጠፍኡ ሰባት ዕሽነት እዩ፤ ንኣና ንእንድሕን ግና፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ።
ኣብ ማእኸል እቶም ለባማት ዝኾኑ ግና፥ ጥበብ ንናገር ኢና፤ እቲ እንናገሮ ግና፥ ጥበብ እዛ ዓለም፥ ወይ ጥበብ ናይቶም ዝሓልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነን።
ወንጌል ክርስቶስ ክሰብኽ ናብ ጢሮኣዳ ምስ መፃእኹ፥ ንስራሕ ጐይታ ዝተኸፈተለይ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።
እንተ ኾነ ልቦም ተደፊኑ እዩ፤ ብሉይ ኪዳን ከንብቡ እንተለዉ፥ እቲ ጕልባብ ገና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተቐልዐሎምን፤ እቲ ጕልባብ እቱይ ዝቕላዕ፥ ብክርስቶስ ጥራሕ እዩ እሞ።
ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይሪኡ፥ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ። እዝ ብርሃንዙይ ከዓ፥ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።
እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን፥ ብምሉእ ምርዳእን እምበር፥ ብቓል ጥራሕ ኣይመፀኩምን። ንሕናውን ምእንታኻትኩም ክንብል፥ ኣብ ማእኸልኩም ከመይ ኢልና ኸም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።
እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ናይቲ ኣነ ኸብስሮ ሕድሪ ዝተውሃበኒ፥ ኣብቲ ናይቲ ቡሩኽ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ወንጌል እዩ ዝርከብ።