3 እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ክመፅእ እንተለኹ፥ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዝግበአኒ፥ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ ኢለ እየ። ምኽንያቱ ሓጐሰይ፥ ሓጐስ ኵልኻትኩም ከም ዝኾነ፥ ከም እትፈልጡ ስለ ዝኣምን እየ።
እንታይ ትደልዩ? ብበትሪዶ ወይ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመፀኩም?
በዙይ ርግፀኛ ስለ ዝነበርኩን፥ ድርብ ጥቕሚ ምእንቲ ኽትረኽቡን፥ ብመጀመርታ ናባኻትኩም ክመፅእ ደልየ ነይረ።
እቲ ናብ ቆሮንቶስ ዘይምምፃአይ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዝራህራህኹልኩም ከም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
ከም ዓሻ እየ ዝተዛረብኩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓሻ ኽዛረብ ዝገበርኩምኒ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ክትንእዱኒ ዝግብአኩም ዝነበረስ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ዘይረብሕ እኳ እንተ ኾንኩ፥ ካብቶም “ብሉፃት ሃዋርያት” ኢና ዝብሉ፥ ኣይንእስን እየ።
ከምኡውን እግዚኣብሄር ብሰንክኹም ከየሕፍረኒ፥ እዙይ ከዓ እቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገብሩ ዝነበሩ፥ ካብቲ ዝገብርዎ ርኽሰትን ምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብዙሓት እንተይተነስሁ ኸይፀንሑ እሞ፥ ከይጕሂ እፈርሕ ኣለኹ።
ምእንቲ እዙይ፥ በቲ ጐይታ ኸፍርሰሉ ዘይኮነስ፥ ክሃንፀሉ ዝሃበኒ ስልጣን፥ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸየበርትዐልኩም፥ ገና ርሑቕ እንተለኹ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።
ነዙይ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ነቲ ፈተና ስዒርኩም፥ ብዅሉ ነገር እዙዛት ምዃንኩም፥ ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ እየ።
እምበኣር ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ብኣና ኸም እትግደሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ግሁድ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ እምበር፥ ብዛዕባ በዳሊ ወይ ብዛዕባ ተበዳሊ ኢለ ኣይኮንኩን፥ ዝፀሓፍኩልኩም።
ብዅሉ እተኣማመነልኩም እየሞ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ።
እቲ ንዝሓዝኑ ዘፀናንዕ እግዚኣብሄር ግና፥ ብምምፃእ ቲቶ ገይሩ ኣፀናንዐና።
ብመልእኽተይ ኣጕህየኩም እንተ ኾንኩ እኳ፥ ኣየናስሐንን እዩ። ቅድም ግና ንጊዜኡ እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ዘጕሀኹኹም ስለ ዝፈለጥኩ ኣናሲሑኒ ነይሩ።
ሕዚ እውን እንሆ እምብዛ ትጉህ ከም ዝኾነ፥ ብዙሕ ጊዜ ብብዙሕ ነገር መርሚርና ዝፈለጥናዮ፥ ሓደ ኻልእ ሓው፥ ምስኣቶም ንሰደልኩም ኣለና። ሕዚ እውን ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ስለ ዘሕደረ፥ ብዝበለፀ ይተግህ ኣሎ።
ካብዙይ ዝተፈለየ ኻልእ ከም ዘይትሓስቡ፥ ብጐይታ እተኣማመን እየ። እቲ ዘደናግረኩም ዘሎ ግና፥ ዝኾነ ይኹን ፍርዱ ኽቕበል እዩ።
ነቲ እንእዝዘኩም ትፍፅምዎ ኸም ዘለኹም፥ ገናውን ከም እትፍፅምዎ፥ ኣባኻትኩም ብጐይታ እምነት ኣለና።
ካብዝ ዝብለካ ዘለኹ ኣብሊፅካ ኸም እትገብር ፈሊጠ፥ ከም እትእዘዘኒውን ኣሚነ እየ ዝፅሕፈልካ ዘለኹ።