2 ኣነ እንተሕዚነኩም፥ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝሓዘነ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ፥ መን እዩ ዘሐጕሰኒ?
እቲ ሰብኣይ ድማ ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዝነበሮ፥ ነዝ ቓልዙይ ምስ ሰምዐ እናሓዘነ ኸደ።
ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።
ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ። ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ።
መን እዩ ዝደኸመ እሞ፥ ኣነ ዘይደኽመሉ? መንከ እዩ ብሓጢኣት ዝወደቐ እሞ፥ ኣነ ዘይጕሂ?
ብመልእኽተይ ኣጕህየኩም እንተ ኾንኩ እኳ፥ ኣየናስሐንን እዩ። ቅድም ግና ንጊዜኡ እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ዘጕሀኹኹም ስለ ዝፈለጥኩ ኣናሲሑኒ ነይሩ።