3 እቲ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምፅንናዕን ዝኾነ፥ ናይ ጐይታና ኢየሱሱ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን እግዚኣብሄር ይባረኽ።
እቲ ንፀላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሃበካ ልዑል እግዚኣብሄር ከዓ ቡሩኽ ይኹን” እናበለ ባረኾ። ኣብራም ድማ ኻብ ኵሉ ኣስራት ሃቦ።
ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ እናበለ ኣመስገኖ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ኣቦና ያእቆብ፥ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ምስጉን ኩን።
እቶም ሌዋውያን ኢያሱ፥ ቀድምኤል፥ ባኒ፥ ኣሰበንያ፥ ሰራብያ፥ ሆዲያ፥ ሰበንያ፥ ፈታያ ኾይኖም ከምዙይ በሉ፦ “ተስኡ፤ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ንዝነብር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባርኹ፤ ከምዙይ ከዓ” በሉ፦ “እቲ ልዕሊ ዅሉ በረኸትን ምስጋናን ልዕል ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ።”
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ ኣምላኸይውን ብሩኽ እዩ፤ ኣምላኽ መድሓኒተይውን ልዕል ልዕል ይበል።
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቕዱሳኑ ዘደንቕ እዩ፤ ኣምላኽ እስራኤል፥ ንህዝቡ ሓይልን ፅንዓትን ይህብ። እግዚኣብሄር ይመስገን።
ስም ምስጋናኡውን ንዘለኣለመ ኣለም ይባረኽ፤ ኵላ ምድሪ እውን ብኽብሩ ትምላእ። ኣሜን! ኣሜን!
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መሓርን ርህሩህን ኣምላኽ ኢኻ፤ መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካን ፅድቅኻን ዝበዝሐ ኢኻ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ፤ ምሕረትካውን ንዅሎም ዝፅውዑኻ ብዙሕ እዩ።
ከምቲ እኖ ንውሉዳ እተፀናንዖ፥ ከምኡ ኸፀናንዐኩም እየ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ክትፀናንዑ ኢኹም።
እቲ ዘመን ምስ ተፈፀመ፥ “ኣነ ናቡከደነፆር፥ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ፤ ኣእምሮይውን ተመለሰለይ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ባረኽኩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ኣመስገንኩን ኣኽበርኩዎንውን። ግዝኣቱ ናይ ዘለኣለም ግዝኣት እዩሞ፥ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር እዩ።
ንሕና እኳ እንተ ኸዳዕና፥ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ።
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።
ኣነን ኣብን ሓደ ኢና” ኢሉ መለሰሎም።
ኢየሱስ ድማ “ገና ናብ ኣቦይ ስለ ዘይዓረግኩ ኣይትንክእኒ፤ ግና ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ ‘ናብ ኣቦይን ናብ ኣቦኻትኩምን፥ ናብ ኣምላኸይን ናብ ኣምላኽኩምን፥ ኣዓርግ ኣለኹ’ በሊዮም” በላ።
እቲ ንዘለኣለም ቡሩኽ ዝኾነ፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣነ ኸም ዘይሕሱ ይፈልጥ እዩ።
እቲ ንዝሓዝኑ ዘፀናንዕ እግዚኣብሄር ግና፥ ብምምፃእ ቲቶ ገይሩ ኣፀናንዐና።
ነቲ ኣቦ ኽብሪ፥ ኣምላኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእኡ ብዝበለፀ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ፥ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላፅን፥ ምእንቲ ኽህበኩም፥
እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ኵሉ ኣንደበት ክምስክር እዩ።
ብዛዕባ እታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘላትኩም እምነትን፥ ንዅሎም ምእመናን ዘለኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም እንትንፅሊ፥ ንእግዚኣብሄር፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነመስግኖ ኣለና፤
ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።
ካብ ደቅኺ፥ ከምቲ ኻብ እግዚኣብሄር ኣብ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ገይሮም፥ ብሓቂ ዝነብሩ ስለ ዝረኸብኩ ብዙሕ ተሓጕሰ ኣለኹ።
እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ፀኒዑ ዘይነብርን፥ ካብኡ ዝርሕቕን፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ የለን። እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ፀኒዑ ዝነብር ግና፥ ኣብን ወልድን ኣብኡ ኣለዉዎ።