2 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ትማሊ ኢኻ ዝመፃእኻ። ኣነ ንርእሰይ ናብ ዝኸዶ ክኸይድ እየ፤ ሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ ኾይነ? ኺድ ደኣ ተመለስ፤ ነሕዋትካውን ምለሶም፤ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን” በሎ።
ሽዑ ናብቲ ደሓር ሓለቓ ሰላሳ ዝኾነ ኣማሳይ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረደ እሞ፥ “ኣታ ዳዊት ንሕናስ ናትካ ኢና፤ ኣታ ወዲ እሴይ ንሕናስ ምሳኻ ኢና። ኣምላኽካ ሓጊዙካ እዩ እሞ ሰላም፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን ንሓገዝትኻውን ሰላም ይኹን” በለ። ዳዊት ከዓ ተቐበሎም፤ ኣሕሉቕ ጭፍራ ድማ ገበሮም።
ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፦ ሰላም ይብዝሐልኩም።
ኣብ ሮሜ ዘለኹም ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተፀዋዕኹም፥ ፍቑራት እግዚኣብሄር ኵልኻትኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
እቲ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምፅንናዕን ዝኾነ፥ ናይ ጐይታና ኢየሱሱ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን እግዚኣብሄር ይባረኽ።
ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሄር እስራኤልን፥ ሰላምን ምሕረትን ይኹን።
ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ነቶም ኣሕዋትና ይኹን።
ናይ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ይኹነልኩም።
ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።