8 ቀለብን ክዳንን እንተ ረኺብና ይኣኽለና እዩ።
ያእቆብ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፥ ኣብዛ ዝኸዳ ዘለኹ መንገደይ ከዓ እንተ ሓሊዩኒ፥ ዝበልዖ እንጀራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፥
ንዮሴፍ ከዓ ኸምዙይ እናበለ መረቖ፦ “እቲ ኣቦታተይ፥ ኣብርሃምን ይስሓቅን፥ ዘገልገልዎ እግዚኣብሄር፥ እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ ይባርኮም።
ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ተግባር ኢድኩም ባሪኹኩም እዩ፤ በዝ ዓብዪ ምድረ በዳ እዙይ ክትጕዓዙ እንተለኹምውን ሓልዩኩም እዩ። በዘን ኣርብዓ ዓመታት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ነበረ፤ ሓደ እኳ ኣየጕደለልኩምን።”
እዙይ ዝብል ዘለኹ፥ ስለ ዝሰኣንኩ ኣይኮነን፤ ዘለኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየሞ።