7 ናብዝ ዓለም እዙይ ዘምፃእናዮ የብልናን፤ ካብዝ ዓለም እዙይውን፥ ክንወስዶ እንኽእል ከቶ የለን እሞ።
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
ምስ ሞተ፥ ምስኡ ዝወስዶ ነገር የለንሞ፤ ክብሩውን ምስኡ ናብ መቓብር ኣይወርድን እዩሞ።
ሃብቲ ንሓዋሩ፥ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ።