6 “ዘለኒ ይኣኽለኒ” ንዝብል ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።
ስለዙይ ናብ ዮርዳኖስ ክንከይድ እሞ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ሓድሓደ ኦም ሰርወ ኣምፂእና ኣብኡ እንነብረሉ ስፍራ ኽንሰርሕ ፍቐደልና” በልዎ። ንሱ ድማ “ኪዱ” በሎም።
ካብ ብዙሕ ሃብቲ ሓጢኣተኛታት፥ ውሑድ ሃብቲ ፃድቃን ይበልፅ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረትን ሓቅን ይፈቱ፤ እግዚኣብሄር ሞገስን ክብርን ይህብ፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን።
ሙሴ ድማ ምስ ራጉኤል ክቕመጥ ደለየ። ንሱ ኸዓ ንጓሉ ሲፖራ ሰበይቲ ኽትኮኖ ንሙሴ ሃቦ።
ካብ ብዙሕ ሃብቲ ምስ ህውከት፤ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኻ ውሑድ ሃብቲ ይሐይሽ።
ካብቲ ብዓመፅ ዝርከብ ብዙሕ እቶት፥ እቲ ብፅድቂ ዝርከብ ውሑድ እቶት ይሐይሽ።
ረብሓ ዝሃርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል፤ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ይፀግብ።
እንነብረለን ኣባይቲ ኣይሰራሕናን፤ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ዘርእን የብልናን ኢና።
ኣስዒቡውን “ህይወት ሰብ፥ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፤ ካብ ኵሉ ስስዐውን ተዓቀቡ” በሎም።
ወታደራት ድማ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ንሓደኳ ኣይትግፍዑ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደመወዝኩም ይእኸልኩም” በሎም።
ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈትዉዎን፥ ከም ፍቓዱውን ንዝተፀውዑን፥ ኩሉ ነገራት፥ እግዚኣብሄር ንሰናይ ከም ዝገብረሎም ንፈልጥ ኢና።
እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።
ንኣይ ህይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፤ ሙማት ድማ፥ ረብሓይ እዩ እሞ።
ሰብነት፥ ንኣካላዊ ብቕዓት ምልምማድ፥ ንቑሩብ ጊዜ ይጠቅም እዩ እሞ፤ ምልምማድ ፅድቂ ግና፥ ነዛ ሕዚ ዘላ ህይወት እዚኣን፥ ነታ እትመፅእን፥ ተስፋ ስለ ዘለዎ፥ ንዅሉ እዩ ዝጠቅም።
ቀለብን ክዳንን እንተ ረኺብና ይኣኽለና እዩ።
እግዚኣብሄር ባዕሉ “ኣይሓድገካን፥ ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፥ ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።