5 ኣብቶም እቲ ሓቂ ዘይብሎም ኣእምሮኦም ዝረኸሰ ሰባት ከዓ፥ ዘየቋርፅ ጐይቊ ይፈጥር፤ እዚኣቶም፥ መንፈሳዊነት ናይ ምድራዊ ረብሓ መርከቢ እዩ ዝመስሎም።
የመና ህሩፋት ኣኽላባት እዮም፤ ፀጊበ ኣይፈልጡን፤ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፤ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕረዋይ፥ ረብሓ ርእሱ ደለየ፤ ኵሎም ብናይ ባዕልቶም መንገዲ ኸዱ።
ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም፥ ኵላቶም ስሰዐ ዝሓስቡ እዮም። ካብ ነቢይ ጀሚሩ ኽሳዕ ካህን ብተንኰል ይሰርሑ።
ካብ ኣናእሽቶኦም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም ስስዐ ይኽተሉ፤ ካብ ነቢይ ኽሳዕ ካህን ኵላቶም ሓሰት የዘውትሩ። ስለዙይ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፤ ገራሁኦምውን ንዘጥርይዎ ክህቦ እየ።
ከም ኣመፃፅኣ ህዝቢ ድማ ናባኻ ይመፁ፤ ከም ህዝበይ ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፤ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፤ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም፤ ብኣፎም ድማ ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፤ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዝኸይድ።
“ፅቡቕ ኦም ብፍረኡ እዩ ዝፍለጥ እሞ፥ ፅቡቕ ኦም ግበሩ፤ ፍረኡ ድማ ፅቡቕ ይኸውን፤ ወይ ከዓ ሕማቕ ኦም ግበሩ፤ ፍረኡ ድማ ሕማቕ ይኸውን።
“ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ይበሃል’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ሰረቕቲ ገበርኩምዎ” በሎም።
“ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ መንግስተ ሰማይ ንሰብ ኣብ ገፁ እትዓፅዉሉ፥ ንርእስኹም ኣይትኣትዉን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ምእታው ትኽልክልዎም ኣለኹም እሞ፥ ወይለኹም!
ዝኾነ ሰብ፥ ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ ክከራኸር እንተ ደልዩ፥ ንሕናን እተን ናይ እግዚኣብሄር ኣብያተ ክርስቲያንን፥ ከምዙይ ዝበለ ልማድ የብልናን።
ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣሕዋትና፥ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዘይነብር፥ ብዘይ ስርዓት ካብ ዝመላለስ ሓው ክትፍለዩ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዘኩም ኣለና።
ገሊኣቶም ሰባት ካብዙይ ወፂኦም፥ ናብ ከንቱ ኽርክር ተመሊሶም ኣለዉ።
ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ሕያዋይ፥ ዘይተሃላለኽ፥ ፈታዊ ገንዘብ ዘይኮነ፥
ዲያቆናትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ቃሎም ዘይለዋውጡ፥ መስተ ዘየብዝሑ፥ ህርፋን ገንዘብ ዘይብሎም፥
ግና ኻብ ቅለትን፥ ካብ ወግዒ ኣረጋውያት ኣንስቲ ዝመሰለ ተረትን ረሓቕ። ንመፈሳዊ ህይወት ንባዕልኻ ኣለማምድ።
ሰብነት፥ ንኣካላዊ ብቕዓት ምልምማድ፥ ንቑሩብ ጊዜ ይጠቅም እዩ እሞ፤ ምልምማድ ፅድቂ ግና፥ ነዛ ሕዚ ዘላ ህይወት እዚኣን፥ ነታ እትመፅእን፥ ተስፋ ስለ ዘለዎ፥ ንዅሉ እዩ ዝጠቅም።
“ዘለኒ ይኣኽለኒ” ንዝብል ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።
ስርዓት ኣምልኾ ኣለዎም፤ ነቲ ሓይሉ ግና ዝኸሓዱ እዮም እሞ፥ ካብዚኣቶም ረሓቕ።
ከምቲ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ንሙሴ ዝተቓወምዎ፥ እዞም ኣእምሮኦም ዝተበላሸወ፥ ኣብ እምነቶም ፅንዓት ዘይብሎም ሰባት ድማ፥ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ።
ንሳቶም ረብሓ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም፥ ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኽምህርዎ ዘይግብኦም እናመሃሩ፥ ንስድራ ዘናውፁ፥ ኣፎም ክተትሕዞም ግቡእ እዩ።
ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።
ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።
ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!
ቃርፋን፥ ቀመምን፥ ዕጣንን፥ ከርበን፥ ፃዕዳ ዕጣንን፥ ዘይትን፥ ሕሩጭን፥ ስርናይን፥ ከፍትን፥ ኣባጊዕን፥ ኣፍራስን፥ ሰረገላታትን፥ ባሮትን፥ ምሩኻት ሰባትን እዮም።
ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ፥ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ።