3 ሓደ ሰብ፥ ምስቲ ሓቀኛ ዝኾነ ቓል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምስቲ ንእግዚኣብሄር ምምሳል ዘይሰማማዕ ግጉይ ትምህርትን እንተ መሃረ፥
ልዝብቲ ኣንደበት ኦም ህይወት እያ፤ ቀይናን ኣንደበት ግና መንፈስ ትሰብር።
ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር እዩ” በልዎ። “እምበኣር ናይ ቄሳር፥ ንቄሳር፥ ናይ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም።
ኣሕዋተይ፥ ክትፍፅምዎ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዝቓወሙን፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይን ፀገማትን ካብ ዘምፅኡ ሰባት ክትጥንቀቑ፥ ካብኣቶምውን ኽትርሕቑ ሓደራ እብለኩም ኣለኹ።
እምበኣር እቲ ነዙይ ዝንዕቕ፥ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝንዕቕ ዘሎ።
ንዘመውቲ፥ ግብረ ሰዶም ንዝገብሩ፥ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ፥ ንሓሰውቲ፥ ነቶም ብሓሰት ዝምሕሉ፥ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝፃረር ዝገብሩ ዅሎም እዩ።
ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ እንተለኹ ሓደራ ዝበልኩኻ፥ ኣብ ኤፌሶን ፅናሕ እሞ፥ ገሊኣቶም ናይ ሓሰት ትምህርቲ ኸይምህሩ ኣዝዝ።
ገሊኣቶም ሰባት ካብዙይ ወፂኦም፥ ናብ ከንቱ ኽርክር ተመሊሶም ኣለዉ።
ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ፥ ከም ኣብነት ጌርካ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ።
ነቲ ኣእዛኖም ክሰምዖ ዝህንጠዮ ነገር፥ ዝነግርዎም መምህራን ክእክቡ እምበር፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ፥ ንምስማዕ ዘይደልዩሉ ዘመን ክመፅእ እዩ እሞ።
ኣገልጋሊ እግዚኣብሄርን፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይቶም ሕሩያት ኣምላኽ ንእምነት ክሃንፅ፥ ነቲ ናብ ቅድስና ዘብፅሕ፥ ፍልጠት ሓቂ ኽሰብኽ ካብ ዝተፀውዐ ጳውሎስ።
ንሱ በቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ፥ ነቶም ዝቃወሙውን መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእል፥ በቲ ዝተምሃሮ እሙን ዝኾነ ቓል ይፅናዕ።
እዙይ እሙን ዘረባ እዩ። ነቶም ብእግዚኣብሄር ዝኣመኑ፥ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኽተግሁ፥ ነዙይ ኣፀቢቕካ ኽተረድኦም እደሊ ኣለኹ። እዙይ ፅቡቕን ንሰብ ዝጠቅምን እዩ።