21 ገሊኣቶም ነዙይ ብምእማን፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ዝወፁ ኣለዉሞ። ፀጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’
ኣብ ሮሜ ዘለኹም ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተፀዋዕኹም፥ ፍቑራት እግዚኣብሄር ኵልኻትኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን።
እቲ ንኣይ ከም ጋሻ ዝተቐበለ፥ እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ኣብ ገዛኡ ኽትእከብ ዝፈቐደ ጋይዮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣርስጦስ፥ እቲ ናይታ ኸተማ ተሓዚ ገንዘብን፥ ቈኣስጥሮስ ሓውናን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
እዝ ሰላምታ እዙይ፥ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። መቓውሐይ ዘክሩ። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
እምነትን ንፁህ ሕሊናን ይሃሉኻ። ገሊኣቶም ሰባት፥ ንሕሊናኣቶም ብዘይምእዛዝ፥ ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ፥ ንእምነቶም ኣጥፊኦምዋ እዮም እሞ።
ገሊኣቶም ሰባት ካብዙይ ወፂኦም፥ ናብ ከንቱ ኽርክር ተመሊሶም ኣለዉ።
ፍቕሪ ገንዘብ፥ ናይ ኵሉ ኽፍኣት ሱር እዩ እሞ፤ ገሊኣቶም ብሰንኪ ህርፋን ገንዘብ፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ወፂኦም፥ ንባዕላቶም ብዙሕ ስቓይ ኣምፅኡ።
ንሳቶም ካብ ሓቂ ርሒቖም “ትንሳኤ ሙታን ቅድሚ ሕዚ ኾይኑ እዩ” እናበሉ፥ እምነት ብዙሓት ሰባት የናውፁ ኣለዉ።
ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስካ ይኹን። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
ምሳይ ዘለዉ ዅሎም፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዘፍቅሩና፥ ሰላምታ ኣቕርበልና። ፀጋ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
ፀጋ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።