15 ነዙይ ጊዜኡ ምስ በፅሐ እግዚኣብሄር ክገልፆ እዩ፤ ንሱ ብፁእ፥ በይኑ ንዅሉ ዝገዝእ፥ ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት፥
“ካብ ንጉሰ ነገስት ኣርጤክስስ፥ ንፀሓፊ ኣምላኽ ሰማይ ንኻህን እዝራ፥ ምሉእ ሰላም ይኹን።
ንጐይታ ጐይቶት ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ልዑልን ግሩምን እዩሞ፤ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እውን ዓብዪ ንጉስ እዩሞ።
ስምካ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ እውን ንስኻ በይንኻ ልዑል ከም ዝኾንካ ይፍለጡ።
ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፤ መሳፍንቲ ብኣይ ቅኑዕ ሕጊ ይሕግጉ።
እግዚኣብሄር ግና ናይ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ህያው ኣምላኽ፤ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፤ ንቝጥዓኡ ድማ ኣህዛብ ክፅመምዎ ኣይኽእሉን።
ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ ንጉስ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየ! ኣብ ማእኸል እምባታት ከም ዘሎ ኸም ታቦር፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸም ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ፥ ከምኡ ኽመፅእ እዩ ይብል፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር።
እቲ ዘመን ምስ ተፈፀመ፥ “ኣነ ናቡከደነፆር፥ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ፤ ኣእምሮይውን ተመለሰለይ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ባረኽኩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ኣመስገንኩን ኣኽበርኩዎንውን። ግዝኣቱ ናይ ዘለኣለም ግዝኣት እዩሞ፥ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር እዩ።
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ ጐይታ ጐይቶት፥ ዓብዪ፥ ሓያል፥ ዘፍርሕ ኣምላኽ፥ ብፍርዲ ዘየዳሉ፥ ጉቦ ኸዓ ዘይቕበል እዩ።
እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ናይቲ ኣነ ኸብስሮ ሕድሪ ዝተውሃበኒ፥ ኣብቲ ናይቲ ቡሩኽ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ወንጌል እዩ ዝርከብ።
ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፥ ዘይመውት፥ ዘይረአ፥ በይኑ ኣምላኽ ዝኾነ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣሜን።
ንሱ፥ ክንዲ ዅሉ ሰብ፥ ቤዛ ገይሩ፥ ንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ፤ እዙይውን፥ በቲ ብገዛ ዘመኑ ምስክርነቱ ነበረ።
እዚኣቶም፥ ምስቲ በጊዕ ክዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና፥ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፥ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ፥ ዝተፀውዑን፥ ዝተሓረዩን፥ እሙናትን ከዓ፥ ምስኡ ኽስዕሩ እዮም” በለኒ።
ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን ድማ፥ “ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት” ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።