Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ጢሞቴዎስ 6:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13-14 ነቲ ትእዛዝ፥ ብንፅህናን ብዘይ ነቐፋን፥ ክሳዕ ምግላፅ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትሕልዎ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህይወት ዝህብ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጴንጤናዊ ጲላጦስ፥ ነታ ሓቀኛ እምነት ዝመስከረ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እእዝዘካ ኣለኹ።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ጢሞቴዎስ 6:13
22 Referencias Cruzadas  

ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ገዛኢ ቖመ። እቲ ገዛኢ ድማ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ከዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” በሎ።


ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ፥ ንጲላጦስ ነቲ ሹም ኣሕሊፎም ሃብዎ።


ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።


ኢየሱስ ድማ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተውሂቡካስ፥ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዙይ እቲ ናባኻ ኣሕሊፉ ዝሃበኒ፥ ዝገደደ ሓጢኣት ኣለዎ” ኢሉ መለሰሉ።


ኣብ፥ ንምዉታን ከም ዘተስኦም ህያዋንውን ከም ዝገብሮም፥ ወልድ ድማ፥ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም።


ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንወልድውን ናይ ባዕሉ ህይወት ክህልዎ ሃቦ።


ንሱ ህይወትን እስትንፋስን፥ ዘድሊ ዅሉ ነገራትን፥ ንዅሉ ሰብ ዝህብ ስለ ዝኾነ፥ ዝጐድሎ ነገር የብሉን፤ ብኢድ ሰብውን ኣይግልገልን እዩ።


እዝ ናይ ልግስኹም ኣገልግሎት፥ ንስኻትኩም፥ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ወንጌል ክርስቶስ፥ እሙናት ከም ዝኾንኩምን፥ ንኣኣቶምን ንዅሉን ለጋሳት ከም ዝኾንኩም ስለ ዘረድእ፥ ብዙሓት ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።


ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ኵልኻትኩም ውሉድ እግዚኣብሄር ኢኹም።


ኣነ ሕዚ እውን ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ሕዚ ርአዩ፤ ኣነ እቐትል፥ ህያው ከዓ እገብር፤ ኣነ አቝስል፥ እፍውስ ድማ እየ፤ ካብ ኢደይ ዘምልጥ ከዓ የለን።


ነቲ ኸገልግሎ ሓይሊ ዝሃበኒ፥ ከም እሙን ቈፂሩ ኸዓ፥ ናብዝ ኣገልግሎት እዙይ ዝሓረየኒ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ አመስግኖ ኣለኹ።


“ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሓጥኣን ከድሕን መፀ” ዝብል ቃል፥ እሙንን ኵሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእን እዩ። ኣነ ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ እየ።


እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፥ ሓደ እዩ፤ ንሱ ኸዓ፥ እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።


ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን፥ ነዝ ምዕዶዙይ ክትሕሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።


ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል፤ ነታ ዝተፀዋዕኻላ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽርውን ፅቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሓዝ።


ሽዑ “ተፈፀመ፤ ኣልፋን ኦሜጋን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ንዝፀምአ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ክሰቲ፥ ብኸምኡ ኽህቦ እየ።


ድሕሪዙይ፥ እቲ መልኣኽ፥ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ካብ ዙፋን እቲ በጊዕን ዝወፅእ፥ ከም ብርለ ዝምፅራዩ፥ ፈለግ ማይ ህይወት ኣርኣየኒ።


“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣሜን፥ እሙንን ሓቀኛን ምስክር፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦


እግዚኣብሄር ይቐትል፥ የድሕንውን፤ ናብ ሲኦል የውርድ፤ መሊሱ ኸዓ የውፅእ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos