8 ሓደኳ ነቶም ኣዝማዱ፥ ብሕልፊ እኳ ንስድራኡ ዘይሓሊ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ እምነቱ ዝኸሓደ፥ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
ኣነ እንተይመፃእኹ ውሑዳት ነበራኻ፤ ሕዚ ግና ኣነ ኣብ ዝኸድክዎ ዅሉ እግዚኣብሄር ባሪኹካ እዩ እሞ፥ ኬርና በዝሓ፤ ሕዚ ኸዓ ንናይ ባዕለይ ቤተ ሰብ ዝኸውን ዝሓስበሉ ድኣ መኣዝ እዩ?” በሎ።
እንጀራኻ ንጥሙይ ክተካፍል፥ ነቶም ዝተሰደዱ ድኻታት ኣብ ቤትካ ኽተእቱ፥ ዕሩቕ እንተ ርኢኻ ኽትከድን፥ ካብ ዘመድ ስጋኻውን ከይትሕባእዶ ኣይኮነን?
ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዖም ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፤ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና፥ ከም ኣረማዊን ከም ተቐባሊ ቀረፅን ቍፀሮ።
እምበኣርከስ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝለመንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ሰናይ ነገር ዘይህቦም?
ኣነ መፂአ እንተ ዘይነግሮምስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።
እኳ ደኣ፥ ሓው ንሓዉ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ ይኸስስ ኣሎ!
እንሆ ናባኻትኩም ክመፅእ እንትዳሎ፥ እዙይ ሳልሳየይ እዩ፤ ሕዚ እውን ሸኽሚ ክኾነኩም ኣይደልን። ኣነ ንኣኻትኩም እምበር፥ ገንዘብኩም ኣይኮንኩን ዝደሊ። ወለዲ እዮም ንውሉዶም ገንዘብ ከዋህልሉሎም ዝግባእ እምበር፥ ውሉድ ኣይኮኑን ንወለዲ ዘዋህልሉሎም።
ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ?
እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር።
እንተ ተዓገስና፥ ምስኡ ኸዓ ኽንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱውን ክኽሕደና እዩ።
ስርዓት ኣምልኾ ኣለዎም፤ ነቲ ሓይሉ ግና ዝኸሓዱ እዮም እሞ፥ ካብዚኣቶም ረሓቕ።
“ንእግዚኣብሄር ንፈልጦ ኢና” ይብሉ፤ ብተግባሮም ግና ይኽሕድዎ፤ ዘፀይፉን ዘይእዙዛትን፥ ሰናይ ንምስራሕ ዘይበቕዑን እዮም።
ግና ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእኸል ህዝቢ እግዚኣብሄር ተሲኦም ከም ዝነበሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን፥ ሓሰውቲ መምህራን ክትስኡ እዮም። ንሳቶም ብሕቡእ፥ ጥፍኣት ዘስዕብ መናፍቕነት ከምፅኡ እዮም። ነቲ ዝተቤዘዎም ጐይታ ብምኽሓድውን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምፅኡ እዮም።
ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ ቐደም ዝተፅሓፈሎም፥ ሓድሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት፥ ኣብ ማእኸልኩም ሸሊኾም ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበና፥ ናይ ፀጋ መልእኽቲ፥ ርኽሰት ክገብሩ ንዝልውጥዎን፥ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉስናን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዝኽሕድዎን እዮም።
ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ዙፋን ሰይጣን ዘለዎ ኢኻ እትነብር። ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት፥ ኣፅኒዕኻ ሒዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፥ ንኣንቲጳስ፥ ነቲ እሙን ምስክረይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዝቐተልዎ መዓልቲታት እኳ፥ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን።
ንግብርኻ እፈልጦ እየ። ዓቕምኻ ድኹም እዩ፤ እንተ ኾነ ንቓለይ ሓለኻዮ፥ ንስመይውን ኣይከሓድካዮን። ስለዙይ ሓደኳ ኽዓፅዎ ዘይኽእል፥ ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ።