6 እታ ናይዝ ዓለም እዙይ ደስታ እትደሊ መበለት ግና፥ ብህይወታ እንተላ ዝሞተት እያ።
ካብ ፍረ እታ ፅቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ኣይትብላዕ፤ ካብኣ እንተ በሊዕኻ በታ ዝበላዕኻላ መዓልቲ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ” ኢሉ ኣዘዞ።
እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ፥ ንባርያኡ ኣሐንቂቑ ዘዕቢ፤ ኣብ መወዳእታ ኸም ጐይታ ይኾኖ።
ንስኻትኩም ግና ተሓጐስኩምን በዓል ገበርኩምን፥ ስጋ ኽትበልዑ ኸብትን ኣባጊዕን ሓረድኩም፤ ወይኒ ድማ ሰተኹም። “ፅባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕ ንስተ” ድማ በልኩም።
“ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ውረዲ፤ ኣብ ሓመድ ከዓ ተቐመጢ፤ ደጊም ምልክዕትን ሕንቅቕትን፥ ኣይትበሃሊን ኢኽሞ፥ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ብዘይ ዙፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ።
ነዛ ፅብቕትን ሕንቅቕትን ጓል ፅዮን ከጥፍኣ እየ።
እቶም ጥዑም ምግቢ ዝበልዑ ዝነበሩ፥ እንጀራ ስኢኖም ፈቐዶ መንገድታት ተንከራተቱ፤ እቶም ቀይሕ ሃሪ ተኸዲኖም ዝዓበዩ፥ ኣብ ልዕሊ ዅምራ ሓመድ ደቀሱ።
ኢየሱስ ግና “ንስኻስ ተኸተለኒ ደኣ፥ ምውታንስ ንምውታኖም ይቕበርዎም ሕደጎም” በሎ።
ንነፍሰይ ከዓ፦ ኦ ነፍሰይ! ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል፥ ብዙሕ ዝተኣከበ ሃብቲ ኣለኪ እሞ ኣዕርፊ፤ ብልዒ፤ ስተዪ፤ ተሓጐሲ፤ ክብላ እየ’ በለ።
ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ድማ እቲ ንእሽተይ ወዲ፥ ኵሉ ገንዘቡ ኣኪቡ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ገንዘቡ፥ ብስድነትን ብስኽራንን በተኖ።
እዝ ወደይ ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ’ በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ።
እዝ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ደስ ኽብለናን ይግብአና እዩ’ በሎ።”
ቀይሕ ክዳንን ፃዕዳ ሃርን ዝኽደን፥ ኵሉ መዓልቲ እውን እናጋየፀ ዝሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ።
እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ቀጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዝተኸደነ ሰብዶ፥ ክትሪኡ ወፂእኹም? እንሆ ብቐጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዘጌፁን፥ ብምቾት ዝነብሩንስ፥ ኣብ ኣዳራሽ ነገስታት ኣለዉ።
ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታን ነበርኩም።
ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩምሞ።
ስለዙይ ከዓ እዩ፥ “ኣታ ደቂስካ ዘለኻ ተበራበር፤ ካብ ምዉታንውን ተስእ፤ ክርስቶስ ከዓ ኸብርሀልካ እዩ” ዝተብሃለ።
ኣባኻትኩም ርህሩህን በቝባቝን ዝበሃል ሰብኣይ እኳ ንሓዉን ነታ ዘፍቅራ ሰበይቱን ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይሪኦም።
ኣባኻትኩም እታ ቝፅይፅይ እትብልን ሕንቅቕትን፥ ብሕንቃቐኣን ቍፅይፅይ ብምባላን ብእግራ ምድሪ ኽትረግፅ ዘይትደሊ ሰበይቲ እኳ ነቲ እትፈትዎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ብኽፉእ ዓይኒ ትሪኦም።
እግዚኣብሄር ንኵሉ ሓጢኣትኩም ይቕረ ብምባል፥ ንኣኻትኩምውን ብበደልኩም በቲ ዘይተገረዘ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ሞይትኩም ንዝነበርኩም፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም።
እዚኣቶም፥ ናብ ገዛ ሰብ ሸሊኾም ብምእታው፥ ነተን ሓጢኣት ዝመልአን፥ ብዝተፈላለየ ፍትወት ዝደፋፍኣ ኣንስቲ፥ ዝማርኹ ሰባት እዮም።
ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን መቺዩኩምን፥ ንመዓልቲ ማሕረዲ ኸም ዘህጥር፥ ልብኹም ኣስቢሕኹም ኣለኹም።
ብልባ ‘ነጊሰ ኽነብር እየ፤ መበለትውን ኣይኸውንን እየ፤ ሓዘን ድማ ኣይርእን እየ’ ትብል ኣላ እሞ፥ ኽንድቲ ንባዕላ ዘኽበረቶን ዘሐንቀቐቶን፥ ስቓይን ሓዘንን ፍደይዋ።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰርዴስውን ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን፥ ሸውዓተ ኸዋኽብትን ዘለዎ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። “ህያው” ተብሂልካ ኢኻ እትፅዋዕ፤ ግና ምዉት ኢኻ።
ሳሙኤል ድማ “ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ኣምፅኡለይ” በለ። ኣጋግ ከዓ ብፍርሓት እናንቀጥቀጠ ናብ ሳሙኤል መፀ። ኣጋግውን “ብሓቂ ሞት ከምዙይ መሪር ድዩ?” በለ።
ከምዙይ ድማ በልዎ፦ ‘ሰላም ንኣኻ ይኹን። ንስኻን ቤተ ሰብካን ዘለካ ዅሉውን ብሰላም ክትህልዉ እምነየልኩም።’