Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ጢሞቴዎስ 5:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ዝኾነት መበለት ግና፥ ደቂ ወይ ደቂ ደቂ እንተ ሃልዮምዋ፥ ንሳቶም ኣቐዲሞም ንስድራኦም ብምክንኻን፥ መንፈሳዊ ግቡኦም ምፍፃም ይመሃሩ፤ በዙይ ከዓ ንወለዶም ሞሳ ኽመልሱ እዮም። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እሞ።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ጢሞቴዎስ 5:4
18 Referencias Cruzadas  

ዮሴፍ ነቦኡን ነሕዋቱን ንዅሉ ቤተ ሰብ ኣቦኡን ይሓልየሎም ነበረ። ከከም ብዝሒ ቤተ ሰቦምውን እኽሊ እናሰፈረ ይህቦም ነበረ።


ያእቆብ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ተቐመጠ። ዕድሚኡ ድማ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን ዓመት ኮነ።


ኣብ ማእኸል ህዝቡ ዘርእን ትውልድን ኣይሓድግን፤ ኣብ ውሽጢ መንበሪኡውን ዝነብር ሰብ ኣይተርፎን።


ደቃ ተሲኦም ብርኽቲ ኢኺ ይብልዋ፤ ሰብኣያ ድማ ኸምዙይ ኢሉ የመስግና፦


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊኣቶም ክትስእ እየ፤ ስምን ተረፍን ዘርእን ትውልድን ካብ ባቢሎን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚእብሔር።


ምስኣቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት ከደ፤ ይእዘዞምውን ነበረ፤ እኖኡ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮ ነበረት።


እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ሰናይን ዘሐጕስን እዩ።


ሓደ ኣማኒ ሰብ ወይ ሓንቲ ኣማኒት ዝኾነት ሰበይቲ፥ መበለታት እንተ ሃልየናኦም፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኸይኸብድኣ፥ ባዕልቶም ይሓግዙወን። እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነተን ሓገዝ ዘድልየን፥ ናይ ብርግፅ መበለታት ንዝኾና ምእንቲ ክትሕግዘን፥ ንቤተ ክርስቲያን ኣየኽብዱላ።


ንሳቶም ረብሓ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም፥ ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኽምህርዎ ዘይግብኦም እናመሃሩ፥ ንስድራ ዘናውፁ፥ ኣፎም ክተትሕዞም ግቡእ እዩ።


ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰብዓ ኣእዱግ ዝቕመጡ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደቂ ደቅን ነበርዎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ሸሞንተ ዓመት ፈረደ።


ፆይራቶ ከዓ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ሓማታ ድማ ነቲ ዝቐረመቶ ረአየት። ሩት ከዓ ነቲ ኻብ ምሳሕ ዘትረፈቶ ኣውፂኣ ሃበታ።


እታ ሞኣባዊት ሩት ድማ ንኑሓሚን “ዝፈቕደለይ በዓል ግራት እንተ ረኸብኩስ ከይደ ኽቕርም” በለታ። ኑሓሚን ከዓ “ጓለይ ኪዲ” በለታ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos