3 ነተን ብርግፅ መበለታት ዝኾና ኣኽብረን።
ንጥፍኣት ዝቐረበ በረኸት ኣባይ መፀ፤ ንልቢ መበለታት ከዓ ዕልል ከም ዝብል ገበርኩ።
“እቲ ምስኪን ለሚኑኒ ኸሊአዮ እንተ ኾይነ፥ ንዓይኒ መበለትውን ከርተት ኣቢለ እንተ ኾይነ፥
እግዚኣብሄር ንስደተኛታት ይሕልዎም፤ ንደኽታምን መበለትን ይቕበሎም፤ ንመንገዲ ሓጥኣን ግና የጥፍኦ።
እግዚኣብሄር ኣብቲ ቅዱስ ቦታኡ፥ ንደኽታማት ኣቦ፥ ንመበለታት ድማ ዳኛ እዩ።
ንመበለትን ንደኽታምን ቀተሉ፤ ንስደተኛውን ቀተሉ።
“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።
ንደኽታማትካ ሕደጎም፤ ኣነ ብህይወት ከንብሮም እየ፤ መበለታትካውን ኣባይ ይተኣመና።”
‘ነቦኡ ወይ ንኖኡ ከኽብር ኣይግደድን እዩ’ ትብሉ፤ ስለዙይ ምእንቲ ስርዓትኩም ቃል እግዚኣብሄር ትስዕሩ፤
“ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ መንግስተ ሰማይ ንሰብ ኣብ ገፁ እትዓፅዉሉ፥ ንርእስኹም ኣይትኣትዉን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ምእታው ትኽልክልዎም ኣለኹም እሞ፥ ወይለኹም!
ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀትውን፥ ብፆምን ብፀሎትን ለይትን መዓልትን፥ ንእግዚኣብሄር ተገልግል ነበረት።
ናብ በሪ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ንኖኡ ሓደ ዝኾነ፥ ወዲ ሓንቲ መበለት ሞይቱ፥ ሬሳኡ ተሸኪሞም እንትወፁ ረኸበ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ድማ ምስኣ ነበሩ።
ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ፥ ብዛዕባኡ “እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ።
በቲ እዋን እቱይ፥ ደቀ መዛሙርት ብቝፅሪ እናበዝሑ ምስ ከዱ፥ እቶም ካብ ግሪክ ዝመፁ ኣይሁድ፥ እተን ናታቶም መበለታት፥ ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ስለ ዝተብሃላ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ይሁዳ ዕብራውያን ኣጕረምረሙ።
ሽዑ ጴጥሮስ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ኣብኡ ምስ በፅሐ ድማ፥ ናብ ደብሪ ኣደየብዎ፤ ኵለን እተን መበለታት ከዓ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢለን እናበኸያ፥ እቲ ጣቢታ ብህይወት ምስኣተን እንተላ ብኢዳ ዝኣለመቶ ቐማውሽን ክዳውንትን ኣርአያኦ።
ንሱ ኸዓ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኣ፤ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ፀዊዑ ድማ፥ ብጥዒታ ሃቦም።
ንሱ ንደኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውፅእ፤ ንስደተኛውን ይፈቱ፤ እንጀራን ክዳንን ከዓ ይህቦ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሉ እትገብርዎ ተግባር ኢድኩም ምእንቲ ኽባርኸልኩም፥ እቲ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን ዘይብሉ ሌዋዊን እቶም ምሳኻትኩም ዘለዉ ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ይምፅኡ እሞ ይብልዑን ይፅገቡን።”
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ ምስ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣገልጋሊኹምን ኣገልጋሊትኩምን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ዘለዉ ሌዋውያንን ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደስ ይበልኩም።
ምስ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን መገልገሊኹምን መገልገሊትኩምን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ዘለዉ ሌዋውያንን ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ድማ ብበዓልኩም ደስ ይበልኩም።
ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዘቐይንን ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።
ካባኻትኩም ኮነ ኻብ ካልኦት ሰባት ክብሪ ኣይደለናን። ሃዋርያት ክርስቶስ ከም ምዃንና፥ ክነኽብደልኩም ምኸኣልና ኔርና።
እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንፁህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ፥ ንባዕልኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሓለኻ፥ ወለዲ ንዘይብሎም ቈልዑን መበለታትን፥ ኣብ ጊዜ ሽግሮም ምርዳእ እዩ።
ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፤ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንእግዚኣብሄር ፍርሑ፤ ንንጉስውን ኣኽብሩ።
ከምኡውን፥ ኣቱም ሰብኡት፥ ፀሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፥ ምስ ኣንስትኹም ብምስትውዓል ንበሩ፤ ንሳተን ካባኻትኩም ድኽም ዝበላ እየን፤ ንፀጋ ህይወት ድማ መዋርስትኹም እየን እሞ ኣኽብርወን።