24 ሓጢኣት ገሊኣቶም ሰባት ግሁድ እዩ፤ ነቲ ፍርዲውን የርኢ፤ ናይ ገሊኣቶም ግና ደሓር እዩ ዝግለፅ።
ደም ንፁሃት ድኻታት ኣብ ኢድኪ ተረኺቡ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ እዚኣቶም ብጋህዲ ረኸብክዎ እምበር ብስውር ደልየ ኣይረኸብክዎን። ብደም እቶም ዝቐተልኪዮም ንፁሃት ድኻታት ተፀዪቑ፤ እንሆ እዝ ዅሉ ጌርኪውን፥
ሲሞን ከዓ ብምንባር ኣእዳው ሃዋርያት፥ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተውሃበ ምስ ረአየ፥ ከምዙይ እናበለ ገንዘብ ኣምፅአሎም፦
ሓሰተይ፥ ንሓቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅን፥ ንኽብሩውን ዝውስክ ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓጥእ ኮይነ ዝፍረድ?
ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተወ፥ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ። ቄርቂስ ናብ ገላትያ፥ ቲቶውን ናብ ድልማጥያ ኸይዶም እዮም።
ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።