20 ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ግና፥ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኽፈርሑ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ገስፆም።
ንሓውካ ብልብኻ ኣይትፅልኣዮ፤ ብምኽንያት በደል ብፃይካ፥ ሓጢኣት ከይኾነካ ገስፆ።
እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነብሩ ኣይሁድን ግሪካውያንን ተሰምዐ፤ ንዅላቶምውን ፍርሓት ሓዞም፤ ስም ጐይታና ኢየሱስ ድማ ኸበረ።
ኣብ ኵላ እታ ቤተ ክርስቲያንን፥ ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎምን ከዓ፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።
ሓናንያ እዝ ቓል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ወዲቑ ሞተ። ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎም፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።
እንሆ እዝ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝጐሀኹምዎ፥ ክትፅዕሩን ካብ በደል ንፁሃት ምዃንኩም ክተረድኡን ገበረኩም። ሓጢኣት ምፅላእን፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ከም ዝህልወኩምን፥ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቅንኣት ከም ዝሓድረኩምን፥ ብቕንዕና ኸም እትፈርዱን እውን ገበረኩም። በዝ ነገር እዙይ፥ ብዅሉ ንፁሃት ከም ዝኾንኩም ኣመስከርኩም።
ኣቃልዕዎ ደኣ እምበር፥ ምስ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ፀልማት ሕብረት ኣይሃሉኹም፤
ሽዑ ዅሎም እስራኤል ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም፤ ካብ ማእኸልኩም ድማ ኸምዙይ ዝበለ ክፉእ ስራሕ ኣይገብሩን እዮም።
ኵሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኽፈርሕ እዩ፤ መሊሱውን ኣይዕበን እዩ።
እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኸዓ ኽሰምዑን ክፈርሑን እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ነገርውን ኣብ ማእኸልኩም ኣይገብሩን እዮም።
ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ። ክፉእ ንዝኾነ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም።
ኣብ መንጎኦም እኳ፥ ንእግዚኣብሄር ምፅራፍ ከም ዘይግባእ ምእንቲ ኽመሃሩ ኢለ፥ ንሰይጣን ኣሕሊፈ ዝሃብኩዎም፥ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን ዝበሃሉ ሰባት ኣለዉዎም።
ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ።
እዝ ምስክርነት እዙይ ሓቂ እዩ። ስለዙይ ቅኑዕ እምነት ምእንቲ ኽህልዎም፥ ናብ ተረት ኣይሁድን፥ ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዘድሐርሕሩ ሰባትን፥ ከየዘንብሉ ኣፀቢቕካ ገስፆም።
እምበኣር ነዝ ነገር እዙይ መሃር፤ ብምሉእ ስልጣን ከዓ፥ መዓድን ገስፅን፤ ሓደኳ ኣይንዓቕካ።