Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ጢሞቴዎስ 5:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17 ነቶም ብዝግባእ ዘገልግሉ ሽማግለታት፥ ብሕልፊ እኳ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩን ዝምህሩን፥ ዕፅፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ጢሞቴዎስ 5:17
41 Referencias Cruzadas  

ምስ ተሳገሩ፥ ኤልያስ ንኤልሳዕ “ገና ኻባኻ እንተይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “በይዛኻ፥ ናትካ መንፈስ ዕፅፊ ኾይኑ ኣባይ ክሓድር እልምነካ ኣለኹ” በሎ።


ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።


ንምድረይ በቶም በድኒ ዝኾኑ ጣዖታቶም ኣርኪሶምዋ፤ ንርስተይውን ብዘፀይፉ ጣዖታቶም መሊኦምዋ እዮም እሞ፥ ሕነ በደሎምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።”


እቶም ዘሳጕጉኒ ይሕፈሩ፤ ኣነ ግና ኣይሕፈር፤ ንሳቶም ይደንግፁ፤ ኣነ ግና ኣይደንግፅ። ክፉእ መዓልቲ ኣምፅአሎም፤ ዕፅፊ ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም።


ኣቱም ብተስፋ እትነብሩ እሱራት፥ ናብ ዕርድኹም ተመለሱ፤ ሕዚ ኽልተ ዕፅፊ ገይረ፥ ከም ዝመልሰልኪ እነግረኪ ኣለኹ።


ናይቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን እተገልግልዎ መተሓዳደሪኹም ስለ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ።


“እንሆ ኣቐዲመ ነጊረኩም ኣለኹ፤


ኣብታ ገዛ ኸዓ ተቐመጡ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑን ስተዩን። ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኣይትኺዱ።


ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም፥ ጐይታኡ ኣብ ቤተሰቡ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ?


ኣነ ንኣኻትኩም፥ ኣብ ዘይፀዓርኩምሉ ኽትዓፅዱ ለኣኽኩኹም፤ ካልኦት ፀዓሩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብቲ ዝፀዓሩሉ ኣተኹም” በሎም።


ነቲ ዝተዋፅአ ገንዘብ ድማ፥ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም፥ ናብቶም ሽማግለታት ሰደድዎ።


ከምኡውን ስራሕ ምስራሕ፥ ድኻታት ምርዳእ ከም ዝግባእ፥ ጐይታና ኢየሱስ ‘ካብቲ ዝቕበል፥ እቲ ዝህብ ዝበለፀ ዝተባረኸ እዩ’ ዝበሎ ቓል ዘክሩ።”


ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ኣኽበሩና፤ ብመርከብ ክንለዓል እንተለናውን፥ ንጕዕዞና ዘድልየና ዅሉ ሂቦም፥ ኣፋነውና።


ዝምዕድ፥ ኣብ ምምዓድ ይትጋህ፤ ዝህብ፥ ብልግሲ ይሃብ፤ ዝመርሕ፥ ብትግሃት ይምራሕ፤ ዝርህርህ ኸዓ ብሓጐስ ይራህርህ።


ግቡኦም ስለ ዝኾነውን፥ ተሰማሚዖም እዮም። እቶም ኣህዛብ፥ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸት ካብ ተኻፈሉ፥ ንሳቶም ድማ፥ በቲ ስጋዊ በረኸት ከገልግልዎም ግቡእ እዩ።


ነተን ብጐይታ ዝፅዕራ ዘለዋ ንፕሮፊሞን ንጢሮሞሳን፥ ሰላም በሉለይ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝፀዓረት ፍቕርቲ ጰርሲዳ፥ ሰላም በሉለይ።


እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።


ንስኻትኩም ከዓ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን፥ ነቶም ምሳና ዝሰርሑን ዝፅዕሩን፥ ክትእዘዝዎም እምዕደኩም ኣለኹ።


ንሕና ምስ እግዚኣብሄር እንሰርሕ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና፥ ግራት እግዚኣብሄርን፥ ህንፃ እግዚኣብሄርን ኢኹም።


ሓቢርና መሳርሕቲ ከም ምዃንና፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፥ ንልምነኩም ኣለና።


እቲ ነቲ ቓል ዝመሃር ከዓ፥ ካብቲ ዘለዎ ፅቡቕ ነገራት ምስቲ መምህሩ ይካፈሎ።


ብዘይ እቲ ኻብ ኣቦታቱ ዝተሸጠ ሃብቱ፥ ምስቶም ካልኦት ካህናት ማዕረ ተኻፊሉ ይውሰድ።


እዙይ ከዓ፥ ነቲ ቓል ህይወት ኣፅኒዕኹም እንተ ሒዝኩምዎ እዩ፤ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይፀዓርኩን ክምካሕ እየ።


እምበኣር ብጐይታ፥ ብምሉእ ታሕጓስ ተቐበልዎ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባትውን፥ ኣኽብርዎም።


ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥ ክትድግፈን፥ እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ።


ስድራኡ ብስነ ስርዓት ከመሓድር እንተ ዘይክኢሉ፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ደኣ፥ ከመይ ገይሩ ኸመሓድራ ይኽእል?


በቲ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ ንኣመንቲ ዘድሕን ህያው እግዚኣብሄር ተስፋ ስለ ዝገበርና፥ ንፅዕርን ንጋደልን ኣለና።


ነቲ ብቓል ትንቢት፥ ምስ ምንባር ኢድ ሽማግሌታት፥ ዝተውሃበካ ውህብቶ፥ ሸለል ኣይትበሎ።


ንባዕልኻን ነቲ እትህቦ ትምህርትን ተጠንቀቕ፤ ኣብኡውን ፀኒዕኻ ንበር፤ እዙይ እንተ ጌርካ፥ ንባዕልኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ክተድሕን ኢኻ።


እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ነቶም ኣሕዋት እንተ ገለፅካሎም፥ ቃል እምነትን፥ እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ፅቡቕ ትምህርትን፥ ዝተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።


ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት እንተ ዘይመስኪሮም፥ ኣብ ልዕሊ ሽማግለ፥ ክሲ ኣይትቀበል።


ነተን ብርግፅ መበለታት ዝኾና ኣኽብረን።


እቲ ዝፅዕር ሓረስታይ፥ ካብቲ ዘፍረዮ ፍረ ኣቐዲሙ ኽወስድ ይግብኦ እዩ።


ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ።


ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።


ንዅሎም መራሕትኹምን ንዅሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝኾኑ፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።


ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመሃሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፤ ናይ ኣካይዳኦም ፍረ ኣስተውዒልኩም፥ ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos