16 ሓደ ኣማኒ ሰብ ወይ ሓንቲ ኣማኒት ዝኾነት ሰበይቲ፥ መበለታት እንተ ሃልየናኦም፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኸይኸብድኣ፥ ባዕልቶም ይሓግዙወን። እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነተን ሓገዝ ዘድልየን፥ ናይ ብርግፅ መበለታት ንዝኾና ምእንቲ ክትሕግዘን፥ ንቤተ ክርስቲያን ኣየኽብዱላ።
ሓደኳ ነቶም ኣዝማዱ፥ ብሕልፊ እኳ ንስድራኡ ዘይሓሊ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ እምነቱ ዝኸሓደ፥ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
ካብ ስሳ ዓመት ንላዕሊ፥ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት፥ ደቃ ብዝግባእ ዘዕበየት፥ ጋሻ ብምቕባል፥ እግሪ ቅዱሳን ብምሕፃብ፥ ንዝፀገሞ ብምሕጋዝ፥ እዝ ሰናይ ግብሪ እዙይ ብምግባር፥ ዝተመስከረላ ኽትከውን ይግባእ።