Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ጢሞቴዎስ 5:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ኣብ ልዕሊ እዙይውን፥ ገዛ ንገዛ እናዞራ፥ ምብኳር ስራሕ እየን ዝመሃራ፤ ምብኳር ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ክዛረባኦ ዘይግባእ እናተዛረባ፥ ሓመይትን መውረይትን፥ ኣብ ዘየእትወን ዝኣትዋን እየን ዝኾና።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ጢሞቴዎስ 5:13
14 Referencias Cruzadas  

ክሓሚ ዝዘውር ምስጢር የውፅእ፤ ብመንፈስ እሙን ዝኾነ ግና ንነገር ይስውር።


እቲ እናዞረ ዝሓሚ ምስጢር የውፅእ፤ ከንፈሩ ምስ ዘሞጥሙጥ ሰብውን ኣይትራኸብ።


ኩነታት ቤተሰባ ብትግሃት ትከታተል፤ እንጀራ ትህኺትውን ኣይትበልዕን።


ንሳ ህውከተኛን ቀላልን ነበረት፤ ኣእጋራውን ኣብ ገዛኣ ኣይዓርፋን ነበራ።


ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሓሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣይትዙር፤ ኣብ ልዕሊ ደም ብፃይካ ኣይትቑም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።


ኣብታ ገዛ ኸዓ ተቐመጡ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑን ስተዩን። ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኣይትኺዱ።


ዝጠቅም ኵሉ እናሰበኽኩልኩም፥ ኣብ ኣደባባይ ኮነ ኣብ ገዛውትኹም እንትምህረኩም፥ ዘጕደልኩልኩም የለን።


ካባኻትኩምውን፥ ነቶም ኣመንቲ ሰዓብቶም ምእንቲ ኽገብርዎም፥ ጠዋይ ትምህርቲ ዝምህሩ ሰባት ክለዓሉ እዮም።


እዚኣተን ነታ ቐዳመይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፥ ክፍረደን እዩ።


ንሳቶም ረብሓ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም፥ ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኽምህርዎ ዘይግብኦም እናመሃሩ፥ ንስድራ ዘናውፁ፥ ኣፎም ክተትሕዞም ግቡእ እዩ።


ካብ ሓደ ኣፍ፥ ምስጋናን መርገምን ይወፅእ። ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ክኸውን ኣይግባእን እዩ።


ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም።


ስለዙይ ኣነ ምስ መፃእኹ፥ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሌና ዝዛረቦ ኽፉእ ነገራት፥ ክገልፆ እየ። እዙይ ምእኻል ኣብይዎ ኸዓ፥ ንሱ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፤ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩውን፥ ይኽልክሎም፤ ካብ ቤተ ክርስቲያን ድማ፥ የውፅኦም ኣሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos