12 እዚኣተን ነታ ቐዳመይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፥ ክፍረደን እዩ።
ግና ዅሎም እስራኤል ፅቡቕ ዝኾነ ነገር ኣወገዱ፤ ፀላኢ እውን ክሰጕጎም እዩ።
ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ዝጠመየ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ገዛኡ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፥ ምስ መፃእኹ ኽሰርዐልኩም እየ።
ነቲ ብፀጋ ክርስቶስ ገይሩ ዝፀውዐኩም፥ ኣሻዕኹም ካብኡ፥ ናብ ካልእ ወንጌል ከም ዝሓለፍኩም፥ ገሪሙኒ ኣሎ፤
ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ግና፥ ፍትወት ስጋ ምስ ተልዓለን፥ ካብ ክርስቶስ ርሒቐን፥ ክምርዐዋ እየን ዝደልያ እሞ፥ ምስተን መበለታት ኣይትመድበን።
ኣብ ልዕሊ እዙይውን፥ ገዛ ንገዛ እናዞራ፥ ምብኳር ስራሕ እየን ዝመሃራ፤ ምብኳር ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ክዛረባኦ ዘይግባእ እናተዛረባ፥ ሓመይትን መውረይትን፥ ኣብ ዘየእትወን ዝኣትዋን እየን ዝኾና።
ኣሕዋተይ፥ ዝገደደ፥ ፍርዲ ኸም እንቕበል ትፈልጡ ኢኹምሞ፥ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።
ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ፥ በቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ደኣ፥ እንታይ ክኸውን እዩ?