4-5 ኵሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብምስጋና ንዝቕበሎ ኸዓ፥ በቲ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ፀሎትን፥ ዝቕደስ ስለ ዝኾነ፥ ሓደኳ ዝድርበ የብሉን።
እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ።
መሊሱ ድማ ንኻልኣይ ጊዜ “ነቲ እግዚኣብሄር ዘንፅሆ፥ ንስኻ ‘ኣይተርክሶ’ ” ዝብል ድምፂ መፆ።
እምበኣር ንርእስኹም፥ ንጣዖት ካብ ዝተሰውአ ምግብን፥ ካብ ደምን፥ ካብ ዝበኸተ ስጋ እንስሳን፥ ካብ ዝሙትን ተኸልከሉ። ካብዙይ እንተ ተኸልኪልኩም፥ ፅቡቕ ክትነብሩ ኢኹም፤ ደሓን ኩኑ።”
ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና፥ ተማኺርና ‘ንጣዖታት ካብ ዝተሰውአ ምግብን ደምን፥ ዝበኸተ ስጋ እንስሳ ካብ ምብላዕን፥ ካብ ዝሙትን ረሓቑ’ ኢልና፥ ብፅሑፍ ኣዚዝናዮም ኣለና” በልዎ።
ነቲ ኸም ርኹስ ዝሪኦ ደኣ እዩ ርኹስ ዝኾኖ እምበር፥ ብተፈጥሮኡ ርኹስ ነገር ከም ዘየለ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ፥ ፈሊጠን ተረዲአን ኣለኹ።
ብምኽንያት ምግቢ፥ ንስራሕ እግዚኣብሄር ኣይተፍርሶ። ብርግፅ ዅሉ ንፁህ እዩ፤ ነቲ ብምውልዋል ዝበልዕ ሰብ ግና፥ ክፉእ እዩ።
እቲ ንሓንቲ መዓልቲ ዘኽብር፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘኽብር። እቲ ዝበልዕ ድማ፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዝበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ እዩ እሞ። እቲ ዘይበልዕውን፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ የመስግኖ እዩ።
ዅሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፤ ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይሃንፅን እዩ።
ብሕሊና እንተይመርመርኩም፥ ኵሉ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ብልዑ።
ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን፥ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
ኣነ ኣመስጊነ ዝበልዕ ኻብ ኮንኩ፥ ስለ ምንታይ ደኣ፥ በቲ ዘመስግነሉ ዝንቀፍ?” ትብል ትኸውን።
“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።
ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፤ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፥ ብምስጋና ኽቕበልዎ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ብልዒውን፥ ሰብ ክሓርሞ ይእዝዙ።