3 ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፤ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፥ ብምስጋና ኽቕበልዎ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ብልዒውን፥ ሰብ ክሓርሞ ይእዝዙ።
ኵሉ ዝንቀሳቐስ ህይወት ዘለዎ ምግቢ ይኹንኩም። እዝ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ በቝሊ ዝሃብኩኹም፥ ሂበኩም ኣለኹ።
ኣነ ዘስተብሃልክዎ ሰናይን ግቡእን ነገር፦ ሰብ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓፂር መዋእል ህይወቱ ኽበልዕን ክሰትን፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓረሉ ፍረ ፃማኡ ደስ ክብሎን እዩ፤ እዝ ዕድል እዙይ ከዓ ግደኡ እዩ።
ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኽብሪ ኣይህብን፤ ነቲ ኣንስቲ ዝደልያኦ ኣይግደሰሉን። ንባዕሉ ልዕሊ ዅሉ ገይሩ ስለ ዝሓስብ፥ ኣምላኽ ንዝኾነ ዅሉ ኣየኽብርን።
ነቶም ሰባትውን ኣብ ሳዕሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ እናጠመተ፥ ኣመስጊኑ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።
ንሰብ ዘርክሶ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ደኣ እምበር፥ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣየርክሶን” በሎም።
ሽዑ ነተን ሸውዓተ እንጀራን ነቲ ቑሩብ ዓሳን ኣልዒሉ ኣመስገነ፤ ቈሪሱ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡ።
ኣብ ማእዲ ምስኣቶም ምስ ተቐመጠ ድማ፥ እንጀራ ኣልዒሉ፥ ባሪኹ፥ ቈሪሱ ሃቦም።
እንተ ኾነ፥ ካልኦት ጃልባታት ካብ ጥብርያዶስ፥ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ባሪኹ እንጀራ ዝበልዑላ ቦታ መፃ።
እዙይ ምስ በለ እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ፤ ቈሪሱ ድማ ኽበልዕ ጀመረ።
መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ።
እቲ ዝበልዕ፥ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ፤ እቲ ዘይበልዕውን፥ ነቲ ዝበልዕ ኣይንቀፎ፤ እግዚኣብሄር ተቐቢልዎ እዩ እሞ።
እቲ ንሓንቲ መዓልቲ ዘኽብር፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘኽብር። እቲ ዝበልዕ ድማ፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዝበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ እዩ እሞ። እቲ ዘይበልዕውን፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ የመስግኖ እዩ።
ብልዒ ንኸብዲ፥ ከብዲ ኸዓ ንብልዒ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ነዙይን ነቱይን ከጥፍኦም እዩ። ሰብነት ንእግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄርውን ንሰብነት እዩ እምበር፥ ሰብነት ንምንዝርና ኣይኮነን።
ግና እንተ ተመርዖኻ፥ ሓጢኣት ኣይገበርካን፤ ድንግልውን እንተ ተመርዐወት፥ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና፥ ብናብራ፥ ፀገማት ይረኽቦም እዩ እሞ፥ ካብዙይ ክትድሕኑ ኢለ እየ።
ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣየቕርበናን፤ እንተ በላዕና፥ ዝውስኸልና የብሉን፤ እንተ ዘይበላዕናውን፥ ዘጕድለልና የብሉን።
ስለዙይ ብብልዕን መስተን፥ ብምብዓል በዓላትን፥ ባሕትን፥ ሰናብትን ዝመፀ፥ ሓደኳ ኣይፍረድኩም።
ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።
ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ።
ኵሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብምስጋና ንዝቕበሎ ኸዓ፥ በቲ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ፀሎትን፥ ዝቕደስ ስለ ዝኾነ፥ ሓደኳ ዝድርበ የብሉን።
እምበኣር ፀላኢ ኣብ ልዕሊአን ዝዛረቦ ኽፋእ ምእንቲ ኸይረክብ፥ እተን ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ክምርዐዋ፥ ውሉድ ክወልዳ፥ ስድራአን ብግቡእ ከመሓድራ እደሊ ኣለኹ።
መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር ይኹን፤ እቲ ዓራት ኣሚን ከዓ ኣይርከስ። ንኣመንዝራታትን ንዘመውትን ግና፥ እግዚኣብሄር ክፈርዶም እዩ እሞ።
ብዙሕ ብዝዓይነቱ ብዘይተለመደ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይትታለሉ፤ ነቶም ብእኡ ዝመላለሱ፥ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ናይ መብልዕ ስርዓት ዘይኮነስ፥ ልብኹም ብፀጋ እንተ ፀንዐ ሰናይ እዩ እሞ።
ናብ ከተማ ምስ ኣተኹም፥ ገና ናብቲ በሪኽ ክበልዕ እንተይደየበ፥ ክትረኽብዎ ኢኹም። ንሱ እዩ ነቲ መስዋእቲ ዝባርኾ እቶም ህዝቢ ንሱ እንተይመፀ ኣይበልዑን እዮም። ድሕሪኡ እዮም እቶም ዕዱማት ዝበልዑ። በዛ ጊዜ እዚኣ ኽትረኽብዎ ኢኹም፤ ስለዙይ ሕዚ ደይቡ” በላኦም።