10 በቲ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ ንኣመንቲ ዘድሕን ህያው እግዚኣብሄር ተስፋ ስለ ዝገበርና፥ ንፅዕርን ንጋደልን ኣለና።
እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም፥ ካብ ኢድ ፀላኢውን ዘድሓኖም ይናገሩ።
ብሰብ ካብ ምትእምማን፥ ብእግዚኣብሄር ምትእምማን ይበልፅ።
ፅድቅኻ ኸም እምባታት እግዚኣብሄር እዩ፤ ፍርድኻውን እምብዛ ዓሚቝ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሰብን ንእንስሳን እተድሕኖም ንስኻ ኢኻ።
እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን እዩ፤ ካብ ኢድ ሓጢኣተኛታትውን የውፅኦም፤ ብእኡ ተኣሚኖም እዮም እሞ፥ ከድሕኖም እዩ።
ኣነስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝለምለመ፥ ከም ኦም ኣውሊዕ እየ፤ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ፥ ንዓለምን ንዘለኣለምን ተኣሚነ ኣለኹ።
ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብኣኻ ዝተኣመነ ብፁእ እዩ።
እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤ ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።
ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።
“ብእግዚኣብሄር ዝእመን፥ እምነቱውን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገብር ሰብ፥ ቡሩኽ እዩ።
ናቡከደነፆር ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱን ኢሎም፥ ንሰብነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፥ ኣብኡ ተኣሚኖም ንቓል ንጉስ ዘይተኣዘዙ፥ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘድሓኖም፥ እቲ ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ይባረኽ።”
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብመዓልቲ መከራውን ዕርዲ እዩ፤ ነቶም ብእኡ ዝእመኑውን ይፈልጦም እዩ።
ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
ንሱ ብእግዚኣብሄር ተኣሚኑ እዩ፤ ‘ኣነ ወዲ እግዚኣብሄር እየ’ እውን ኢሉ እዩ እሞ፥ ዝፈትዎ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ሕዚ የድሕኖ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።
ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።
ነታ ሰበይቲ እውን “ባዕልትና ሰሚዕና ደኣ እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና እምበር፥ ብዘረባኺ ጥራሕ ኣይኮንናን ዝኣመንና” በልዋ።
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።
እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።
ንሱ ንሞት ካብ ዘብፅሕ ሓደጋ ኣድሒኑና እዩ፤ ከድሕነና ድማ እዩ፤ ንዳሕራይውን ከም ዘድሕነና፥ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና።
እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ሰናይን ዘሐጕስን እዩ።
ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ።
ንሱ፥ ክንዲ ዅሉ ሰብ፥ ቤዛ ገይሩ፥ ንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ፤ እዙይውን፥ በቲ ብገዛ ዘመኑ ምስክርነቱ ነበረ።
እንተ ደንጐኹ ግና፥ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ናይ ሓቂ ዓምድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ህያው እግዚኣብሄር፥ ከመይ ምንባር ከም ዝግባእ ንኽትፈልጥ፥ ፅሒፈልካ ኣለኹ።
ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፥ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዝህበና እግዚኣብሄር እምበር፥ በዝ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም።
ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ፥ ካብ ሃብቲ ግብፅስ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ውርደት ምቕባል፥ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘፀሮ።
እምበኣር ንሕናውን፥ ንሱ ዝተቐበሎ ውርደት ፆይርና፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር፥ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ንኺድ።
እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኢየሱስ ነቲ ንእኡ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ክብሪውን ዝሃቦ፥ ብእግዚኣብሄር ኣመንኩም።
ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ኾነ፤ ምእንቲ ሓጢኣት ኵሉ ዓለምውን እምበር፥ ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራሕ ኣይኮነን።
እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንወዱ መድሓኒ ዓለም ክኸውን ከም ዝለኣኾ ረአና፤ ንምስክርውን ኣለና።