9 ነቲ ናይ እምነት ምስጢር፥ ብንፁህ ሕሊና ዝሕልዉ ክኾኑ ይግባእ።
እምነትን ንፁህ ሕሊናን ይሃሉኻ። ገሊኣቶም ሰባት፥ ንሕሊናኣቶም ብዘይምእዛዝ፥ ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ፥ ንእምነቶም ኣጥፊኦምዋ እዮም እሞ።
ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።
እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።