6 ብትዕቢት ተነፊሑ፥ ከም ዲያብሎስ፥ ኣብ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ፥ ሓድሽ ኣማኒ ኣይኹን።
ንኤዶምያስ ስለ ዝሰዓርካ፥ ልብኻ ተዓብዩ ኣሎ። ክበር፤ ኣብ ቤትካ ዓሪፍካ እንተ ተቐመጥካ ይሕሸካ፤ ንስኻን ህዝብኻን ንኽትጠፍኡ ኢልካስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ነቲ መከራ እትደልዮ?” ኢሉ ለኣኸሉ።
ምስ ተጠናኸረ ግና ልቡ ተዓበየ፤ እዙይ ከዓ ጥፍኣት ኣምፅአሉ። ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ክዓጥን ኢሉ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብምእታዉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደለ።
ግና ሕዝቅያስ፥ ልቡ ደኣ ተዓበየ እምበር፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ ውሬታ ኣይመለሰን፤ ስለዙይ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ነደደ።
ልቢ ሰብ፥ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ልዕል ይብል፤ ትሕትና ድማ ንኽብረት ትቕድማ።
ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፤ ትሑት መንፈስ ዘለዎ ግና፥ ክብረት ይረክብ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን ንዅሉ ልዕል ዝበለን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ።
ነቶም ህዝቢ ክወስዶም እዩ፤ ልቡ ኸዓ ኽዕበ እዩ፤ ኣእላፋትውን ከውድቕ እዩ፤ ግና ኣየሸንፍን።
ኢየሱስ ድማ፦ “ሰይጣን ከም መብረቕ፥ ካብ ሰማይ ክወድቕ እንተሎ ረአኽዎ።
ኣሕዋተይ፥ ኣነ ግና ኸም ስጋውያን፥ ብክርስቶስ ከዓ፥ ገና ኸም ዘይዓበዩ ህፃናት እምበር፥ ከም መንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን።
ብዛዕባ ንጣዖት ዝተሰውአ ግና፥ “ኵላትና ፍልጠት ከም ዘለና” ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ትዕቢት የሕድር፤ ፍቕሪ ግና ይሃንፅ።
ብምኽንያት እቲ ብዙሕ ዝተገልፀለይ፥ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ፥ ስጋይ ዝወግእ፥ ናይ ሰይጣን ልኡኽ ተውሃበኒ።
ሽዑ ልብኹም ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት፥ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኸይትርስዑ።
ግና ኣብ ቅለትን፥ መፃወድያ ዲያብሎስን፥ ምእንቲ ኸይወድቕ፥ በቶም ዘይኣምኑውን፥ ፅቡቕ ምስክርነት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።
ንሱ ብትዕቢት ዝተነፍሐ፥ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሰብ እዩ። ንሱ ናይ ክትዕን ጐይቍን ፅምኢ ዘለዎ፥ ሕሙም ሰብ እዩ። ካብዙይ ከዓ ቕንኢ፥ ባእሲ፥ ክፉእ ሓሳብ፥ ፀርፊ ይመፅእ።
ኸዳዓት፥ ህዉኻት፥ መን ከማይ በሃልቲ፥ ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ፍቕሪ ተድላ ዓለም ኣብሊፆም ዝፈትዉ፥
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩም፥ ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ፥ ከምቶም ሕዚ ዝተወለዱ ህፃናት፥ ነቲ ፅሩይ መንፈሳዊ ፀባ በሃጉ።
ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።
እግዚኣብሄር፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፥ ኣብ ፀልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክፅበዩ፥ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር፥ ኣይራህርሀሎምን።
ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፥ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኽፍረዱ፥ ብናይ ዘለኣለም መቝሕ፥ ኣብ ፀልማት ኣሲሩ ኣፅኒሕዎም ኣሎ።