4 ቤተሰቡ ብፅቡቕ ዘመሓድርን፥ ብቕንዕና ዝእዘዙ ውሉድ ዘለውዎን ይኹን።
ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”
ንሱ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ናብ እግዚኣብሄር ዝፅሊ፥ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምፅዋት ዝምፅውት፥ ኵልሻዕ ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ።
ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ እትእዘዞ፥ ከምኡ ድማ ኣንስቲ፥ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ።
ዲያቆናት፥ ነፍሲ ወከፎም ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ደቆምን ስድራኦምን፥ ብፅቡቕ ዘመሓድሩ ይኹኑ።
ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ስዲ ብምዃንን ብዘይ ምእዛዝን ዘይሕመዩ፥ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ ይኹን።
ነቶም ኣረጋውያን፥ ጥንቁቓት፥ ክብሮም ዝሕልዉ፥ ለባማት፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብትዕግስትን ጥዑያት ክኾኑ መዓዶም።
እቶም ዝቃወሙ፥ ብዛዕባና ዝብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኽሓፍሩስ፥ ክትምህር እንተለኻ እሙን ብምዃን፥ ብምስትውዓል፥ ነቐፋ ብዘይብሉ ዘረባ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ እናዘውተርካ ኣርኣያ ኹኖም።
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”