13 ብፅቡቕ ዘገልግሉ ዲያቆናት፥ ዓብዪ መዓርግ ይረኽቡ፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ እምነት፥ ትብዓት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም እሞ።
ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።
ጐይታኡ ድማ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ።
ንሱ ኸዓ ‘ኣታ ሕያዋይ ኣገልጋሊ፥ ፅቡቕ ገበርካ፤ ብውሑድ እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ዓሰርተ ኸተማታት ሸይመካ ኣለኹ’ በሎ።
ጳውሎስ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በፅሐ፥ እቲ ህዝቢ የመና ኣምሪሩ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ወታደራት ተሰከምዎ፤
እቶም ኣብቲ መጋባእያ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሰባት፥ ኵላቶም ጠመትዎ፤ ገፁ ኸዓ፥ ከም ገፅ መልኣኽ ኮይኑ ተርኣዮም።
እዝ ዘረባ እዙይ፥ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣሐጐሰ፤ ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብ እስጢፋኖስን፥ ንፊልጶስን፥ ንጵሮኮሮንን፥ ንኒቃሮናን፥ ንጢሞናን፥ ንጰርሜናን፥ ነቲ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተወ ኒቆላዎስ በዓል ኣንፆኪያን ድማ ሓረዩ።
እስጢፋኖስ ድማ ፀጋን ሓይልን መሊእዎ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ፥ ዓበይቲ ምልክታትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ።
ኣሕዋተይ፥ ስድራ እስጢፋኖስ፥ ኣብ ሃገር ኣካይያ ቐዳሞት ኣመንቲ ኸም ዝኾኑን፥ ንቅዱሳን ኸገልግሉ ንርእሶም ከም ዘወፈዩን ትፈልጡ ኢኹም።
ዝበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ፥ ብምኽንያት ምእሳረይ ኣብ ጐይታ ፀንዑ፤ ብዘይ ፍርሓት፥ ቃል እግዚኣብሄር ንምንጋርውን፥ ካብ ቅድም ዝበለፀ ትብዓት ረኸቡ።
ከም እትፈልጥዎ፥ ቅድም ኣብ ፊልጵስዩስ መከራ ተቐበልናን ተዋረድናን። ይኹን እምበር እንተ ተቓወሙናኳ፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ብትብዓት፥ ወንጌል ሰቢኽናልኩም ኢና።
ኦ ጢሞቴዎስ፥ ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመፅእ ተስፋ እናገበርኩ፥ ነዝ መልእኽቲ እዙይ እፅሕፈልካ ኣለኹ።
እምበኣር፥ ጢሞቴዎስ ወደይ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፀጋ በርትዕ።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።