12 ዲያቆናት፥ ነፍሲ ወከፎም ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ደቆምን ስድራኦምን፥ ብፅቡቕ ዘመሓድሩ ይኹኑ።
ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን ዲያቆናትን።
እምበኣር ኤጲስ ቆጶስ ዝኸውን፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብመጠን ዝነብር፥ ንባዕሉ ዝመልኽ፥ ብስርዓት ዝነብር፥ ተቐባሊ ጋሻ፥ ብቑዕ መምህር፥
ዲያቆናትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ቃሎም ዘይለዋውጡ፥ መስተ ዘየብዝሑ፥ ህርፋን ገንዘብ ዘይብሎም፥