9 ኣንስትውን፥ ርእሰን ብምቝናን ወይ ብወርቂ ወይ ብዕንቊ ወይ ብኽቡር ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ብምግያፅ ዘይኮነስ፥ ግቡእን ትሕትና ዘርእን፥ ክዳን ይከደና።
ድሕሪዙይ እቲ ኣገልጋሊ፥ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ኣውፂኡ ንርብቃ ሃባ። ንሓዋን ንኖኣን ድማ ኽቡር ውህብቶ ሃቦም።
ብድሕሪዙይ ኢዩ ናብ ኢይዝራኤል መፀ፤ ኤልዛቤል ነዙይ ምስ ሰምዐት ኣዒንታ ተዅሒላ ርእሳውን ተቘኒና ብመስኮት ኮይና ትጥምት ነበረት።
ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና ኣብቲ ኣብ መንፅር ቤተ መንግስቲ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብ መንፅር ኣፍ ደገ፥ ኣብ ዙፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቱ ተቐሚጡ ነበረ።
እግዚኣብሄር ብህዝቡ ተሓጕሱ እዩሞ፥ ንየዋሃን ብምድሓኑ ልዕል ልዕል የብሎም እዩሞ።
ንባዕላ ምንፃፋት ግብረ መርፍእን ስጋጃን ትሰርሕ፤ ኤፉድን ቀይሕ ክዳንን ከዓ ትኽደን።
ሓይልን ክብረትን ክዳና እዩ፤ ነቲ ዳሕረዋይ ዘመን ከዓ ትስሕቖ።
እንሆ ኽዳን ምንዝርና ዝተኸደነት፥ ነፍሳት ንምፅዋድ ዝተዳለወት ሰበይቲ ተራኸበቶ።
መሊሱ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣዋልድ ፅዮን ኮሪዐን፥ ክሳውደን ገቲረን፥ በዒንተን እናጠቐሳ፥ ግንትእ ብዝበለ ኣረጋግፃ፥ ናይ እግረን ኣልቦ እናቃጨላ ይኸዳ ኣለዋሞ፥
ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ክሃንፁ፥ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኸቑሙ፥ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝፈረሳ ኸተማታት፥ ክሕድሱ እዮም።
ጐርዞ ሽልማታ፥ መርዓት ከዓ ኽዳን መርዓኣዶ ትርስዕ እያ? ህዝበይ ግና ቝፅሪ ንዘይብሉ መዓልቲታት ረስዐኒ።
ኣቲ ዝዓኖኺኸ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ? ቀይሕ ክዳን እትኽደኒ፥ ሽልማት ወርቂ እትሽለሚ፥ ኵሕሊውን እትኰሓሊ፥ ንኸንቱ ኢኺ እተጋይፂ ዘለኺ፤ ፈተውትኺ ንዒቖምኺ፤ ንነፍስኺውን ይደልዩዋ ኣለዉ።
እንታይ ደኣ ኽትሪኡ ወፃእኹም? ብቐጭን ክዳውንቲ ዘጌፀ ሰብ? ቀጭን ክዳውንቲ ዝኽደኑስ እንሆ ኣብ ኣብያተ ነገስታት ኣለዉ።
ከምቲ ነተን መንፈሳውያት ኣንስቲ ዝግባእ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽሽለማ እደሊ ኣለኹ።