5 እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፥ ሓደ እዩ፤ ንሱ ኸዓ፥ እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኽልቴና ዘንብር ዳኛ፥ ኣበይሞ ኣብ መንጎና ኸም ተረኽበ።
ንጉስ እስራኤልን፥ ቤዛኡ ዝኾነ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ቀዳማይን ዳሕረዋይን ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።
ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፥ ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መፅሓፍ ትውልዲ፦
እቲ ሓሽከር ከዓ ‘ጐይታይ፥ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ ኣለኹ፤ ይኹን እምበር ገና ቦታ ኣሎ’ በሎ።
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ።
ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
እዝ ወንጌል እዙይውን፥ ብዛዕባ እቲ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወለደ ወዱ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ኣፈላላይ የለን፤ ንሱ ናይ ኵሉ ጐይታ እዩ፤ ነቶም ዝፅውዕዎ ዅሎም ድማ፥ ኣበርኪቱ ዝህብ እዩ።
ብዛዕባ እቲ ንጣዖታት ዝተሰውአ ምብላዕ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ጣዖታት ከንቱ ከም ዝኮኑ፥ እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና።
ንኣና ግና ዅሉ ኻብኡ ዝኾነ፥ ንሕናውን ንእኡ ዝኾንና፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ኣለና፤ ከምኡውን፥ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረን፥ ንሕናውን ብእኡ እንነብርን፥ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና።
እቲ ዓራቒ ኣብ መንጎ ኽልተ ወገን እምበር፥ ንሓደ ኣይኸውንን፤ እግዚኣብሄር ግና ሓደ እዩ።
ከምኡውን እቲ ልዕሊ ዅሉን፥ ብዅሉን፥ ኣብ ኵሉን፥ ኣቦ ዅሉን ዝኾነ፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣሎ።
“ኦ እስራኤል! ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።
ነቲ ትእዛዝ፥ ብንፅህናን ብዘይ ነቐፋን፥ ክሳዕ ምግላፅ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትሕልዎ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህይወት ዝህብ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጴንጤናዊ ጲላጦስ፥ ነታ ሓቀኛ እምነት ዝመስከረ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እእዝዘካ ኣለኹ።
ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ሕዚ ግና እታ ኢየሱስ ማእኸላይ ኮይኑ ዘገልግለላ ኺዳን፥ ካብታ ኣረጊት ዝበለፀትን፥ ኣብ ዝበለፀ ተስፋ ዝተመስረተትን ስለ ዝኾነት፥ እቲ ንእኡ ዝተውሃቦ ኣገልግሎት፥ ካብቲ ናታቶም ዝበለፀ እዩ።
በዝ ምኽንያት እዙይ፥ ክርስቶስ ናይዛ ሓዳስ ኪዳን እዚኣ፥ ማእኸላይ መተዓረቒ ኾነ። እቶም ፅዉዓት፥ ነታ ዘተስፈዎም ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ካብቲ ኣብ ትሕቲ እታ ቐዳመይቲ ኺዳን እንተለዉ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምእንቲ ኸድሕኖም፥ ቤዛ ኾይኑ ሞተ።
ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ኣብ ማእኸል እተን ቀወምቲ ቐናዲል ከዓ፥ ክሳዕ እግሩ ዝተኸድነ፥ ብቕናት ወርቂ እውን፥ ክሳዕ ኣፍ ልቡ ዝተዓጠቐ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል ረአኹ።