4 ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ።
“ኣምላኽ ኣነ እየ፤ ካልእ የለን እሞ፥ ኣቱም ኣብ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ፥ ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ።
ንሱውን “ንነገድ ያእቆብ ንምትሳእ፥ ነቶም ዝድሕኑ እስራኤል ናባይ ንምምላስ፥ ባርያይ ምዃንካ ንኣኻ የመና ዝቐለለ እዩሞ፥ ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ።
ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ፤ እቲ ፃድቕ ባርያይ፥ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥ ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።
“ኣቱም ፅሙኣት ኵልኻትኩም ናብ ማይ ንዑ፤ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩምውን ንዑ፤ ዓድጉ እሞ ብልዑ። ንዑ፤ ብዘይ ገንዘብ፥ ብዘይ ዋጋ ወይንን ፀባን ዓድጉ።
ሓጢኣተኛዶ ኽመውት እፈቱ እየ? ፍታወይስ ካብ መንገዱ ኽምለስ፥ ብህይወት ከዓ ኽነብርዶ ግዳ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ ተመለሱ፤ ብህይወት ከዓ ንበሩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዝኸድኖ፥ ምድሪ እውን ክብሪ እግዚኣብሄር ብምፍላጥ ክትመልእ እያ።
እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፥ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”
ከምዙይውን በሎም፦ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዅሉ ፍጥረት ከዓ፥ ወንጌል ስበኹ።
ናይ ሓጢኣቶም ሕድገት ዝረኽቡሉ፥ ናይ ድሕነት ፍልጠት፥ ንህዝቡ ኽትህብ ኢኻ።
እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ሓሽከሩ ኸምዙይ በሎ፦ ‘ናብ መንገድታትን ፀግዒ ቕፅርታትን ኪድ እሞ፥ ገዛይ ምእንቲ ኽመልእ፥ ግድን ከም ዝመፁ ግበሮም።
ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ።
ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
በቲ ሓቅኻ ቐድሶም፤ ቃልካ ሓቂ እዩ።
ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።
በቲ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ ንኣመንቲ ዘድሕን ህያው እግዚኣብሄር ተስፋ ስለ ዝገበርና፥ ንፅዕርን ንጋደልን ኣለና።
ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኽፈልጥዋ ኢሉ፥ ንስሃ ኽኣትዉ ዕድል ክህቦም ይኸውን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነቶም ተፃረርቲ፥ ብህድኣት ዝእርሞም ክኸውን ኣለዎ።
እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ኵልሻዕ ዝመሃራ፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽበፅሓ ግና፥ ከቶ ዘይኽእላ እየን።
ኣገልጋሊ እግዚኣብሄርን፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይቶም ሕሩያት ኣምላኽ ንእምነት ክሃንፅ፥ ነቲ ናብ ቅድስና ዘብፅሕ፥ ፍልጠት ሓቂ ኽሰብኽ ካብ ዝተፀውዐ ጳውሎስ።
ንዅሉ ሰብ ዘድሕን፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ተገሊፁ እዩ እሞ፥
ነቲ ሓቂ ምስ ፈለጥናዮ፥ ኮነ ኢልና ሓጢኣት እንተ ገበርና፥ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ የለን፤
መሪር ቅንእን ንባዕልኻ ምፍታውን፥ ኣብ ልብኹም እንተ ሃልዩኩም፥ ኣይትመክሑ፤ ኣብ ልዕሊ እታ ሓቂውን፥ ኣይትሓስዉ።
ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።
ካብ ሽማግሌ፥ ናብታ ሕርይቲ እመቤትን፥ ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፥ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኵላቶም እቶም ነታ ሓቂ ዝፈልጡዋ ዘፍቅርዎም፤
ድሕሪዙይ ካልእ መልኣኽ፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን፥ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን፥ ንዅሎም ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ክሰብከሎም ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ሒዙ ነበረ።