1 እምበኣር ቅድሚ ዅሉ ምህለላ፥ ፀሎት፥ ምምላድ፥ ምስጋና፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብን፥
ስም ምስጋናኡውን ንዘለኣለመ ኣለም ይባረኽ፤ ኵላ ምድሪ እውን ብኽብሩ ትምላእ። ኣሜን! ኣሜን!
ንኣኣ ሰናይ እንተ ኾነላ፥ ንኣኻትኩምውን ሰናይ ክኾነልኩም እዩሞ፥ ተማሪኽኩም ንዝኸድኩምዋ ኸተማ፥ ሰላምን ሃብትን ተመነዩላ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ፀልዩላ።
እግዚኣብሄር ነቲ ዘመን ድንቍርና፥ ሸለል ኢሉ ኣሕሊፍዎ ኣሎ። ሕዚ ግና፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ዘሎ ዅሉ ሰብ፥ ክንሳህ ኣዚዙ ኣሎ።
ብክርስቶስ ምእማንኩም፥ ኣብ ኵላ ዓለም ስለ ዝተሰምዐት፥ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅልኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ።
ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።
ነቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ፥ ቅድሚ ዅሉ ኣመሓላሊፈልኩም እየ፤ ከምቲ ቕዱሳት መፃሕፍቲ ዝብልዎ፦ “ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፤
ስለዙይ፥ ከምቲ ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝነበረ፥ ነዝ ናይ ልግስናኹም ኣገልግሎት፥ ኣብ ፍፃሜ ኸብፅሖ ንቲቶ ለሚንናዮ ኣለና።
ስለዙይ በቲ ምእንታኻትኩም ዝበፅሐኒ መከራ፥ ክብርኹም ስለ ዝኾነ፥ ብመከራይ ተስፋ ኸይትቘርፁ እልምነኩም ኣለኹ።
ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ።
ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ።
ኵልሻዕ ንኣኻትኩም ክዝክር እንተለኹ፥ ንኣምላኸይ አመስግኖ።
ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ።
ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም፥ ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኵሉ ሰብን፥ ፍቕሪ የብዝሐልኩምን ይወስኸልኩምን።
ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።
ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ።
እታ ብርግፅ መበለት ግና፥ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር ገይራ፥ ምእንቲ ኽረድኣ ለይትን መዓልትን፥ ብምህለላን ፀሎትን እያ እትተግህ።
ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ምስ ኵሉ ለዋህ፥ ንምምሃር ብቕዓት ዘለዎ፥ ዕጉስ ክኸውን ደኣ እምበር፥ ተበኣሳይ ክኸውን ኣይግብኦን እዩ።
ንዅሉ ሰብ ዘድሕን፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ተገሊፁ እዩ እሞ፥
ንሓደኳ ኽፉእ ዘይዛረቡ፥ ዘይበኣሱን ምቕሉላትን፥ ምስ ኵሉ ሰብ ድማ፥ ብትሕትና ዝነብሩን ክኾኑ ኣዘኻኽሮም።
ነፍሲ ወከፍኩም እቲ ተስፋኹም ምእንቲ ኽፍፀመልኩም፥ ክሳዕ መወዳእታ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ትግሃት ክተርእዩ ንደሊ ኣለና።
እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትሓውዩ፥ ንስንሳትኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ።