7 ነቲ ዝብልዎ ወይ ነቲ ብምትእምማን ዝዛረብዎ እኳ፥ ዘይፈልጥዎ እንተለዉስ፥ መምህራን ሕጊ ክኾኑ ይደልዩ።
ሕደግዎም፤ ዕዉራን፥ መራሕቲ ዕውራን እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ፥ ክልቲኦም ናብ ጕድጓድ ይወድቁ” በሎም።
ንኢየሱስ ከዓ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ “ኣነውን በየናይ ስልጣን፥ ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን” በሎም።
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ማእኸል መምህራን ተቐሚጡ፥ ክሰምዖምን ክጥይቖምን እንተሎ ረኸብዎ።
ካብ ይሁዳ ናብ ኣንፆኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ሰባት ድማ፥ ነቶም ኣሕዋት ከም “ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገሪዝኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም።
ለባማት ኢና እኳ እንተ በሉ፥ ዓሻታት ኮኑ።
ካባኻትኩም ክፈልጣ ዝደሊ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ኣላ፤ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልኩም፥ ሕጊ ብምፍፃም ዲኹም ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብስራት ብምእማን?
እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ዝመልአኩምን፥ ኣብ ማእኸልኩም ከዓ ተኣምራት ዝገብርን፥ ሕጊ ስለ ዝፈፀምኩም ድዩ ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብስራት ስለ ዝኣመንኩም?
ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ንንበር እትብሉ ዘለኹም፥ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም? እስኪ ንገሩኒ።
ንሱ ብትዕቢት ዝተነፍሐ፥ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሰብ እዩ። ንሱ ናይ ክትዕን ጐይቍን ፅምኢ ዘለዎ፥ ሕሙም ሰብ እዩ። ካብዙይ ከዓ ቕንኢ፥ ባእሲ፥ ክፉእ ሓሳብ፥ ፀርፊ ይመፅእ።
እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ኵልሻዕ ዝመሃራ፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽበፅሓ ግና፥ ከቶ ዘይኽእላ እየን።
ኣሕዋተይ፥ ዝገደደ፥ ፍርዲ ኸም እንቕበል ትፈልጡ ኢኹምሞ፥ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።
እዚኣቶም ግና፥ ከም ንመፃወድን ንጥፍኣትን ዝተፈጥሩ፥ ኣእምሮ ዘይብሎም እንስሳ እዮም ዝመስሉ። ነቲ ዘይፈልጥዎ እናፀረፉ፥ ምስኣቶም ክጠፍኡ እዮም።