6 ገሊኣቶም ሰባት ካብዙይ ወፂኦም፥ ናብ ከንቱ ኽርክር ተመሊሶም ኣለዉ።
እንታይ ይመስለኩም? ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክደሊዶ ኣይኸይድን?
ገሊኣተን እኳ ንሰይጣን ክስዕባ ዝተመለሳ ኣለዋ።
ንሳቶም ካብ ሓቂ ርሒቖም “ትንሳኤ ሙታን ቅድሚ ሕዚ ኾይኑ እዩ” እናበሉ፥ እምነት ብዙሓት ሰባት የናውፁ ኣለዉ።
ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተወ፥ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ። ቄርቂስ ናብ ገላትያ፥ ቲቶውን ናብ ድልማጥያ ኸይዶም እዮም።
ብዙሓት ሰባት፥ ብሕልፊ ኻብቶም “ዝኣመኑ ኣህዛብ ይገረዙ” ዝብሉ ኣይሁድ፥ ዘይእዙዛት፥ ለፍለፍትን መታለልትን ኣለዉሞ።
ንስኻ ግና ኻብ ናይ ዕሽነት ክርክርን፥ ካብ ትውልዲ ምቝፃርን፥ ጐይቊን፥ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኻብ ዝለዓል፥ ክትዕን ባእስን ረሓቕ፤ እዙይ ጥቕሚ ዘይብሉን ከንቱን እዩ እሞ።