13 ኣነ ቐደም ስም ጐይታ ዝፀርፍን፥ ዘሳጕጉን፥ ዝገፍዕን፥ እንተ ነበርኩ እኳ፥ ሰኣን ፍልጠትን፥ ሰኣን ምእማንን፥ ነዙይ ስለ ዝገበርክዎ፥ ምሕረት ረኸብኩ።
ኣብ ምድሪ ንኣይ ክዘርኣ እየ፤ “ነታ ምሕረት ዘይረኸበት” ንዝተብሃለት ክምሕራ እየ፤ ነቲ “ዘይህዝበይ” ዝተብሃለ ድማ “ንስኻ ህዝበይ ኢኻ” ኽብሎ እየ፤ ንሱውን “ኣምላኸይ ኢኻ” ኽብለኒ እዩ።
እቲ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ ዝመስል ዝነበረ ናብ ፃዕዳ እንተ ተለወጠ ግና፥ ናብ ካህን ይምፃእ።
ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ብትዕቢት ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ይወገድ።
እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፥ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ኣገልጋሊ፥ ብዙሕ መቕፃዕቲ ኽቕፃዕ እዩ።
ኢየሱስ ድማ፥ “ኦ ኣቦይ! ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፥ ይቕረ በለሎም” በለ። ንኽዳውንቱውን ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ።
ሰብኡትን ኣንስትን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሃብኩ፥ ነቶም ነዛ መንገዲ ጐይታ እዚኣ ዝስዕቡ፥ ክሳዕ ሞት ክቐትሎም ኣሳጐጕክዎም።
ሕዚ ድማ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም መራሕትኹም፥ ነዙይ ብዘይ ምፍላጥ ከም ዝገበርኩምዎ እፈልጥ ኣለኹ።
ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍኣ፥ ገዛ ገዛ እናኸደ፥ ሰብኡትን ኣንስትን እናጐተተ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።
ሳውል ግና ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፥ “ክቐትሎም እየ” ኢሉ እናተሓነየ፥ ናብቲ ሊቀ ካህናት ከደ።
ሓናንያ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ብዛዕባ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፥ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ።
ንሱ ድማ “ጐይታይ፥ መን ኢኻ?” በሎ፤ ጐይታ ኸዓ “ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ ኢየሱስ እየ። በሊሕ ነገር እንተ ረገፅካ ንባዕልኻ እዩ ዝገደካ” በሎ።
ኣነ ኻብ ኵላቶም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፤ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ዘሳጐጕክዋ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ሃዋርያ ኽበሃል ዘይግብአኒ እየ።
ብዛዕባ ደናግል ግና፥ እሙን ክኸውን ከም ሓደ ኻብ ጐይታ ምሕረት ዝተቐበለ ሰብ ኮይነ፥ ምኽረይ እነግረኩም ኣለኹ እምበር፥ ካብ ጐይታ ዝተቐበልክዎ ትእዛዝ ኣይኮነን።
ከምኡውን ቀደም ብስርዓት ኣይሁድ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ኸም ዘሳጐጕክዋን፥ ከጥፍኣ ኸም ዝፈተንኩን ሰሚዕኹም ኣለኹም።
ንቕንኢ ሃይማኖት ብዝምልከት፥ ኣሳጓጒ ቤተ ክርስቲያን፥ ሕጊ ብምፍፃም ንዝርከብ ፅድቂ ኸዓ፥ ነቐፌታ ዘይብለይ እየ።
በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ እየ፥ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ፥ ቅድም ኣባይ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ ንዝኾንኩ ብምግላፅ፥ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ፥ መርኣያ ገበረኒ።
እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ።
ንስኻትኩም ቀደም ህዝቡ ኣይነበርኩምን፤ ሕዚ ግና ህዝቢ እግዚኣብሄር ኢኹም፤ ቀደም ምሕረት ኣይረኸብኩምን፤ ሕዚ ግና ምሕረት ረኺብኩም ኢኹም።