11 እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ናይቲ ኣነ ኸብስሮ ሕድሪ ዝተውሃበኒ፥ ኣብቲ ናይቲ ቡሩኽ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ወንጌል እዩ ዝርከብ።
ንቕዱስ ስምካ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ልዕል ኣቢልካዮ ኢኻሞ፥ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኽሰግድ እየ፤ ስለ ምሕረትካን ስለ ሓቅኻን ንስምካ ኸመስግን እየ።
“ክብሪ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣርያም! ሰላምውን ኣብ ምድሪ፥ ንሰብውን ፅቡቕ ፍቓድ ይኹን!” ይብሉ ነበሩ።
ስለዙይ፥ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ፥ በታ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
ነዙይ ፈትየ እንተ ገበርክዎ፥ ዓስቢ ኣለኒ፤ እንተይፈተኹ እንተ ገበርክዎ ግና፥ ብሕድሪ ስለ ዝተውሃበኒ እዩ።
ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይሪኡ፥ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ። እዝ ብርሃንዙይ ከዓ፥ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
እኳ ደኣ ኸምቲ ጴጥሮስ ንግሩዛት ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ዝተውሃቦ፥ ኣነ ኸዓ ነቶም ዘይግሩዛት ኣህዛብ ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ኸም ዝተውሃብኩ ፈለጡ።
እዙይ ከዓ፥ በቲ ዘፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ኽቡር ፀጋ፥ ምእንቲ ኽምስገን ኢሉ እዩ።
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገለፀልና ሕያዋይነት፥ ነቲ ዓቐን ዘይብሉ ሃብቲ ፀጋኡ፥ ምእንቲ ኸርኢ ኢሉ እዩ።
እዙይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ገይሩ፥ ዝፈፀሞ ዘለኣለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ምእንቲ ኸፍልጦም ኢሉ እዩ።
ከምቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበኒ መጋቢነት፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ኾንኩ።
እኳ ደኣ ነቲ ሕድሪ ዝተውሃበና ወንጌል፥ ብእግዚኣብሄር ከም ዝተመስከረሎም ሰባት ንዛረብ ኣለና። ዕላማና ንሰብ ዘይኮነስ፥ ነቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር ምሕጓስ እዩ።
ኣነውን ነዙይ እየ፥ ንኣህዛብ ሓቅን እምነትን ምእንቲ ኽምህር፥ ሰባኽን ሃዋርያን ኮይነ ዝተሸምኩ፤ ሓቂ እየ ዝዛረብ እምበር፥ ኣይሕሱን እየ።
ነዙይ ጊዜኡ ምስ በፅሐ እግዚኣብሄር ክገልፆ እዩ፤ ንሱ ብፁእ፥ በይኑ ንዅሉ ዝገዝእ፥ ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት፥
ኦ ጢሞቴዎስ፥ ነቲ ዅሉ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓልዎ። ካብቲ ብጌጋ “ፍልጠት” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዓለማዊ ኸንቱ ልፍለፋን፥ ዝጋጮ ሓሳባትን፥ ረሓቕ።
ኣነውን ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣብሳሪ ሃዋርያን፥ ንኣህዛብውን መምህር ክኸውን ተሸምኩ።
ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓቂ፥ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።
ነቲ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ካባይ ዝሰማዕኻዮ፥ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት፥ ሕድሪ ሃቦም።
ጊዜኡ ምስ በፅሐ፥ ብትእዛዝ እቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ክእውጅ ብዝሃበኒ ስብከት ገይሩ፥ ንቓሉ ገለፆ።